እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ: ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ ጄፍሪ ፌልትማን ካብ ሓላፍነቱ ክሰናበት እዩ
ካብ ሓላፍነቱ ከምዝለዓል ዝተነግረሉ፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ሎሚ ሓሙስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክገይሽ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጠቒሱ፡ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከብቅዕ ጸቕጢ ክፈጥር ምዃኑ ጸብጺቡ።
እቲ ኲናት ኣብ ዝለዓለ ብርኪ በጺሑ፤ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣባበ ገጾም ይግስግሱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ናብ ቱርኪ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሱዳንን ግብፅን ዝተመላለሰ ፌልትማን፡ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን እቲ ኲናት ብሰላም ክፈትሕዎ ምጽዓሩ ዝዝከር እዩ።
ዝሰናበት ዘሎ ፌልትማን
ፌልትማን ሎሚ ብኢትዮጵያ ዝጅምር ጉዕዝኡ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ንትሸዓተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ፍሉይ ተልእኾኡ ናይ መዛዘሚ መገሽኡ ከምዝከውን እዩ ዝዝረብ ዘሎ።
ደማዊ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጀመር ኣትሒዙ፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ ክሕግዝ ብፕረዚደነት ጆ ባይደን ዝተሰየመ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት'ቲ ዞባን ምምልላሱ ዝዝከር እዩ።
ብፍላይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብተደጋጋሚ ዝተመላለስ ጄፍሪ ፌልትማን፡ ምስ ሰበ-ስልጣናት ኢትዮጵያን ኣብ ኬንያ ድማ ምስ ተወከልቲ ህወሓት ምዝታዩ ተዛሪቡ ነይሩ።
ብተወሳኺ ፌልትማን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ነበር ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ፡ ብተደጋጋሚ ከምዝመኸረ'ውን ዝዝከር ኮይኑ፡ ዛጊድ እዚ ዝበሃል ጭቡጥ ፍታሕ ግን ኣይተረኸበን።
ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት ኣመሪካ ድማ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ ክረክብ ተደጋጊሚ ጻውዒት ከስምዑ ዝተስተውዓለ ኮይኑ፡ ጸቕጢታት ይፈጥሩ እዮም ዝተብሃለ ገለ ስጉምቲታት'ውን ተወሲዶም እዮም።
ካብ ባሕቲ ጥሪ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ብፕረዚደነት ጆ ባይደን ዝተፈረመ፡ ኢትዮጵያ ካብ'ቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ፍርያተን ኣብ ኣመሪካ ብዘይቀረጽ ከእትዋ ዝፈቅድ ስምምዕ ኣጎዋ ክትስረዝ ዝተግብረ ኾይsኑ፡ ካብቶም ጸቕጢታት ሓደ እዩ።
እንተኾነ፡ ፌልትማን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ተቐሚጦም ክዘራረቡ ኣይገበረን ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ።
እቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰፍሐ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብጺሑ እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንጥሜት ተቓልዖምላ ዘለዉ ትግራይ፡ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።
መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ምስ ወሰደ፡ ሓይልታት ትግራይ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዶም ስዒቡ ዝመጽአ ጸገም ከምዝኾነ ይገልጽ።
ኣመሪካ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ እቲ ጎንጺ ጠጠው ክብል፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክግታእን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ናብ ትግራይ ክበጽሕን ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ናብ ከምዚ ዓይነት ጎንጺ ክትኣቱ እያ ዝብል ግምት ከመዘይነበሮ ዝዛረብ ፌልትማን፡ ኣመሪካ ኾነ ንሱ ንህወሓት ተዳልዉ ኢኩም ብዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐርበሉ ወቐሳ ኣይቕበሎን።
"ንዝኮነ ጉጅለ ኣይንድግፍን፤ ንሓደ ወገን ዘዳልዉ እዮም ዝብል በለካ ለኸዐካን ውጹእ ሕሶትን እዩ" ክብል ጽሒፉ ነሩይ።
ጄፍሪ ፌልትማን መን እዩ?
ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብላዕለዋይ ሓላፍነት ዝሰርሐ፡ ጄፍሪ ፌልትማን፡ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ናይ ነዊሕ እዋን ልምዲ ዘለዎ ምኩር ዲፕሎማት ምዃኑ ይዝረብ።
ከምኡ’ውን ፌልትማን፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘካተተ ዲፕሎማሲ ኣብ ምእላይን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተኻየዱ ልዝባት ዕርቅን ስትራተጂ ኣመሪካ ኣብ ምፍጻምን ዓብዪ ተሞክሮ ከምዘለዎ ይግለጽ።
ወዲ 62 ዓመት ፌልትማን፡ ኣብ መጽናዕቲታት ትካላት ዓለምለኸ ፖለቲካ ርኡይ ግደ ዝነበሮ ምዃኑ’ውን ይዝረብ።
ኣብ ጉዳያት ፖለቲካን ፖሊሲ ወጻእን ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ባንኪ ሙንን፡ ሕዚ ዘሎ ኣንቶንዮ ጉቱሬዝን ዘማኸረ ኾይኑ፡ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ፡ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን ብተደጋጋሚ መብርሂ ብምሃብ ውን ይፍለጥ
ንፌልትማን ዝትክእ ዘሎ አምባሳደር ሳተርፊልድ
ሮይተርስ ኣምባሳደር ፌልትማን ኣብ ዝቅጽሉ ሰለስተ ሰሙናት ካብ ቦትኡ ከምዝእለን ብካልእ ሓላፊ ከምዝትካእን ምንጭታት ጠቒሱ ኣቃሊሑ ኣሎ።
ከም ጸብጻብ ሮይተርስ እንተኾይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኾይኑ ዘገልገለ ጄፍሪ ፌልትማን፤ ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኮይኑ ይሰርሕ ብዘሎ ዴቪድ ሳተርፊልድ ክትካእ እዩ።
ኣምባሳደር ሳተርፊልድ ኣብ ቱርኪ፣ ሶሪያ፣ ቱኒዚያ፣ ስዑዲ ዓረብን ሊባኖስን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት ዘገልገለ እዩ።
ኣምባሳደርስ ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ቱርኪ ኣምባሳደር አሜሪካ ኮይኑ ቅድሚ ምሻሙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንዝንበረ ማይክ ፖምፔዮ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።
እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ
ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባቢታት ሒዙ ከምዝጸንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምኳኑ ገሊጾም ነይሮም።
እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ውግእ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ። ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ገለ ከባብታት ትግራይ ደብዳባት ነፈርቲ ከካይድ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብሰንኪ'ቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዓመት ዝሓለፎን ኲናት ትግራይ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቐሊሎም፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ።