እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባስማ ቢንት ስዑድ፡ ስዑዳዊት ልእልቲ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሓ
እታ ብዘይ ወግዓዊ ክሲ ንሰለስተ ዓመት ምስ ጓላ እተኣስረት ስዑዳዊት ልእልቲ ካብቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ከምእተፈትሐት እቶም ንክትፍታሕ ዝጣበቑላ ዝነበሩ ጎስጎስቲ ሓቢሮም።
ልእልቲ ባስማ ቢንት ስዑድ፡ ኣብ መጋቢት 2019 ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ ስዊዘርላንድ ክትገይሽ እናተዳለወት እንከላ እያ ተኣሲራ።
ንሳን ጓላን ገበን ፈጺምክን ተባሂለን ስለዘይተኸሰሳ ስለምንታይ ከምእተታሕዛን ከምእተኣስራን ኣይፍለጥን እዩ።
ገሊኦም ሰባት ግን ምስቲ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ጕዳያትን ሕገ መንግስታዊ ምሕደራን እትገብሮ ምጥባቕን ጎስጓስን ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ተኣሲራ ከም እትኸውን ይግምቱ።
ስድራ ቤታ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ናይ 2020 ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ "ንጉድለታት ብግልጽን ብግህዶን ብምንቃፋ እያ" ከምዝበሉ ኤኤፍፒ ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ።
ካልኦት ደገፍቲ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ዘውዳዊ ልዑል ነበር መሓመድ ቢን ናየፍ ጥቡቕ ርክብ ስለዝነበራ እያ ክብሉ ይዛረቡ።
እታ ጓል 57 ዓመት ልእልቲ ባስማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ንንጉስ ስዑዲ ሳልማንን ንዘውዳዊ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማንን ምንም ስለዘይኣበሰትን ኩነታት ጥዕነኣ ሕማቕ ከምዘሎን ብምጥቃስ ንክፈትሑዋ ሓቲታ ነይራ።
ኣብ 2019፡ ክትሕከም ንወጻኢ ሃገር ክትነቅል እንከላ እንታይ ዓይነት ናይ ጥዕና ጸገም ከምዝነበራ ኣይተፈልጠን።
እቲ ብትዊተር ከምእተፈትሐት ዝገለጸ ኣልኬስት (ALQST) እተባህለ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ትካል፡ ኣብ ወሰናስን እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣል-ሓዒር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ፡ "ንህይወታ ኣብ ዘስግእ ኵነታት እናሃለወት ዘድልየቶ ሕክምናዊ ክንክን" ከም ዘይተገብረላ ብትዊተር ገሊጻ ።
እቲ ናይ ስዑድያ ናይ መሰላት ጉጅለ ብምቕጻል፡ "ኣብ እዋን ማእሰርታ ዝኾነ ዓይነት ክሲ ኣይቀረበላን " ኢሉ።
ልእልቲ ባስማ እታ ዝነኣሰት ጓል እቲ ካብ 1953 ክሳብ 1964 ንስዑዲ ዓረብ ዝገዝአ ንጉስ ስዑድ እያ ።