እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዘይ-ሕጊ ናብታ ሃገር ኣትዮም ዝበሎም 91 ኢትዮጵያውን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ፖሊስ ኬንያ ሓቢሩ
ናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ዝበሎም 91 ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ፖሊስ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ፖሊስ ኬንያ፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ዝበሎም ስደተኛታት ንምርካብ ኣብ ዘካየዶ ስርሒታት ነቶም ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ኣብ ሓደ ካብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቤት ከምዝረኸቦም ኣፍሊጡ።
ክፍሊ መርመራ ገበን ፖሊስ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስደተኛታት ኩሎም ልዕሊ 25 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ደቂ-ተባዕትዮ ከምዝኾኑን፡ ማዕጾ ሰይሮም ካብቲ ዝነበርሉ ቤት ክወጹ ከምዝፈተኑን ጠቒሱ።
እቶም ስደተኛታት ብሓገዝ ኣሰጋገርቲ ብናይ ጽዕነት መኪና ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉን፡ ናብ ካልእ ሃገር ክሰግሩ መደብ ከምዝነበሮምን ሓበሬታ ፖሊስ የመልክት።
እዞም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣትዮም ተባሂሎም ብሰብመዚ ጸጥታ ዝተታሕዙ ዝበዝሑ ስደኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ።
ፖሊስ ኬንያ ነቶም ዘምጽእዎም ኣሰጋገርቲ ንምሓዝ ይሰርሑ ከምዘለዉ'ውን ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ'ውን፡ 10 ቆልዑ ዝርከብዎም 14 ኢትዮጵያውያን ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ነይሮም። ምስኦም ብዝተሓሓዝ ድማ ክልተ ኬንያውያን ተታሒዞም ምንባሮም ጸብጻባት ሰብመዚ ጸጥታ ኬንያ ይሕብሩ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስደተኛታት፡ ናብ ኬንያ ንምእታው ይኹን ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ንምኻድ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ከምዝኣትዉ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን፡ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኬንያ ክኣትዋ ኣብ ዝፈተናሉ ሃለዋተን ከምዝጠፍአ ይዝከር።
እተን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብራ ዝነበራ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ንድሕነተን ስለ ዝሰግኣ እየን ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምኻደን፡ ካብታ ሃገር ክወጻ ተገዲደን።
ሰላማዊት ኣምባሳደርን ራሄል መርሃዊን ዝተባህላ እዘን ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ ዞባ ኢስዮሎ ኣብ ዝርከብ ያሚቻ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ምስ በጽሓ'የን ተሰዊረን።
ንዝሓለፈ ልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ድሃየን ጠፊኡ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤተንን ፈተውተንን ሻቕሎት ፈጢሩ ጸኒሑ'ሎ።
ገለ ካብዞም ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ብኬንያ ዝሓልፉ ስደተኛታት ናብ ዩጋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝበላ ሃገራት ከምዘምርሑ ይግለጽ።