ኡጋንዳ: 15 ኤርትራውያን 'ብዘይሕጋዊ' መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዮም ብዝብል ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ኣብ ኡጋንዳ "ብዘይሕጋዊ" መንገዲ ኣብታ ሃገር ኣትዮም ዝተባህሉ 15 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

እቶም ካብ ኬንያ ተበጊሶም ናብታ ሃገር ክኣትዉ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ኣብ ቶሮሮ ዝተባህለት ኣብ ጥቓ ዶብ ኬንያ እትርከብ ከተማ ከም ዝተታሕዙ እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።

እቶም 11 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከብኦም ስደተኛታት፡ "ሰነድ መንነት" ከም ዘይነበሮምን፡ ኣብ "ምባለ ማእከላይ መደበር ፖሰስ" ተታሒዞም ከም ዘለውን 'ደይሊ ሞኒተር' ዝተባህለ ጋዜጣ እታ ሃገር፡ ንምጭታት ጸጥታ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ፖሊስ ናይቲ ዞባ ሮጀርስ ታይቲካ ንደይሊ ሞኒተር ኣብ ዝሃቦ ቃል "ናበይ ይኸዱ ከም ዝነበሩ ብንጹር ንምፍላጥ ንምርምሮም ኣለና። ብድሕሪኡ ብኡ መሰረት ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክሲ ክምስረተሎም'ዩ" ኢሉ።

ሓይልታት ጸጥታ ዩጋንዳ ኣብ ዶባት እታ ሃገር ኣብ ዘካየድዎ ስርሒት ክሕዝዎም ከም ዝኻኣሉ'ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብቲ ብቐዳምን ሰኑይን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገርን ናብ ርእሰከተማ ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስን ዝተኻዱ መጥቃዕትታት ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሓያሎ ካልኦት ምቑሳሎም ይዝከር።

ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዩጋንዳ ኣብ ካምፓላ ዘይልሙድ ምቁጽጻርን ምሕታት ወረቐት መንነትን ጀሚሮም ከም ዘለዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ኩነታት ነቶም ዛጊት ምሉእ ዕቑባ ዘይረኸቡ ስደተኛታት ስግኣት ከም ዝፈጠረሎም እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብታ ሃገር ዝከታተል ሓደ "ኤርትራውያን ኣብ ዩጋንዳ" ዝተባህለ ናይ ፈይስቡክ ምንጪ ሓበሬታ ከም ዝበሎ፡ ዛጊት ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዝርከቡን ሓደጋ ምጥራዝ ገጢምዎም ከም ዘሎን ይሕብር።

"ክሳብ ሕጂ ኣብ ዩጋንዳ ልዕሊ 30 ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዩጋንዳ ከም ዝርከቡን ብቤት ፍርዲ ናይታ ሃገር ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከም ዝርከብን ንምውጽኦም ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፈተነታት ከምዘይተዓወተን ይፍለጥ" ይብል ሓበሬታ ናይቲ ገጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ኣብ ሓደጋ ድሕሪ ምውዳቖም፡ ንዝረኸብዎ ዕድል ብምጥቃም ካብታ ሃገር ክወጹ ከም ዝፍትኑ ይግለጽ።

እቶም ናብ ኬንያ፡ ካብኡ ሓሊፎም'ውን ናብ ዩጋንዳ ዘምርሑ ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብ ጉዕዝኦም ከቢድ ሓደጋታት'ዩ ዝገጥሞም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ክልተ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብቲ ጉዕዞ ድሕሪ ምጥፍአን ሃለዋተን ከምዘይተፈልጠ ስድራቤተን ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

እቶም ስደተኛታት ግዳይ ኣሰጋገርትን ዘይተጸበይዎ ካልእ ባህርያውን ገበናውን ሓደጋታት ከምዝገጥሞምን ይዛረቡ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ርእሰከተማ ካምፓላ ከምዝነብሩ ይንገር።