ዴንማርክ ኣብ ቁጽጽራ ኣእትያቶም ዝጸንሐት ጥርጡራት ሸፋቱ ባሕሪ ፈቲሓ

ምንጪ ስእሊ, Danish Armed Forces
እቶም ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ጀልባ ተሳፊሮም ዝተለቀቑ ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ጊኒ ድሕሪ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ኣብ ቁጽጽር ዝኣተው እዮም።
ሓይልታት ምክልኻል ዴንማርክ እቶም ብናይ ባሕሪ ሽፍትነት ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብቲ ኣብ ቁጽጽር ዝኣተውሉ ዞባ እትርከቦም ሃገር ክረክብ ኣይከኣልኩን ኢሉ።
በዚ ምኽንያት እቶም ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ጥርጡራት ሸፋቱ ባሕሪ እኹል መግብን ነዳድን ተዋሂብዎም ኣብ ከባቢ ማያት ናይጄርያ ነጻ ከምዝተሰደዱ ተፈሊጡ።
እቶም ሰባት ብ 24 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኮንተይነር ዝጽዓነት መርከብ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ብዝተኻየደ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ኣብ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ ሰበ ስልጣን ዴንማርክ ኣብሪሆም።
ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ እቶም ኣርባዕተ ብወተሃደራት ዴንማርክ ክቕተሉ እንከለው ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ኣብ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ዴንማርክ ተኣሲሮም ይርከቡ።
ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ዴንማርክ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብዝብል ዝተኸሰሱ ኮይኖም ንሳቶም ግን ከምዘይወዓልዎ ተዛሪቦም።
ካብቶም ጥርጡራት ሓደ: ሓንቲ እግሩ ናብ ዝተቐረጸሉ ጋና ከይዱ’ኳ እንተነበረ ብናይ ቅትለት ፈተነ ተኸሲሱ ናብ ዴንማርክ ተዛዊሩ።
ንእኡ ኣብ ባሕሪ ነጻ ምስዳድ ውሑስ ከም ዘይነበረ ሚኒስትሪ ፍትሒ ዴንማርክ ሓቢሩ። ኣብቶም ካልኦት ሰለስተ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ ግና ከምዝተቛረጸ ጠበቓታቶም ንኤኤፍፒ ተዛሪቦም።
እንተኾነ ግን ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ተጠርጣሪ ጠበቓ ዝኾነ በርጊት ስኪጆት ኣብ ልዕሊኡ ክሲ ክምስረት ምውሳኑ ክነቅፍ እንከሎ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ሃገር “ንኣርባዕቲኦም ብማዕረ ዓይኒ ዘይምርኣይ ልክዕ ኣይኮነን” ክብል ተዛሪቡ።
ዴንማርክ ብናይ ባሕሪ ሽፍትነት ዝተጠርጠረ ሰብ ናብ ግዝኣታ ክተእቱ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ። ዴንማርክ ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ ጊኒ ምስ ዝርከባ ሃገራት ሸፋቱ ባሕሪ ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘስገድድ ውዕል የብላን።
እቲ ነዳድን ጋዝን ዝጽዓና መራኽብ ዝመላለሳሉ ወሽመጥ ባሕሪ ጊኒ ንዝተወሰነ ዓመታት መዕንደሪ ሸፋቱ ባሕሪ ኮይኑ ጸኒሑ’ሎ።
ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ፣ ልሕሉሕ ተፈጻምነት ሕግን ድሕነትን ኣብቲ ዞባ ሽፍትነት ባሕሪ ክስፋሕፋሕ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።
እንተኾነ ግን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ንምሕያል ሰበ ስልጣናት እተን ሃገራትን መራኽብ ወጻኢ ሓይልታትን ሓበራዊ ጻዕሪ የካይዱ ኣለዉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







