ዓበይቲ ትካላት ቴለኮም ኣሜሪካ ምዝርጋሕ 5ጂ ከደንጉይኦ ተሰማሚዐን

ኩባንያታት ቴለኮም ኣሜሪካ ኤቲንቲን ቨሪዞንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኩባንያታት ቴለኮም ኣሜሪካ ኤቲንቲን ቨሪዞንን

ክልተ ካብ ዝዓበያ ትካላት ቴለኮም ኣሜሪካ ብመንግስቲ ንዝቐረበ ጠለብ ምድንጓይ ዝርግሐ ኣገልግሎት 5ጂ (ሓሙሻይ ወለዶ ስልኪ ኣልቦ ኣገልግሎት) ከምዝተሰማምዓ ተገሊጹ።

ጸሓፊ ክፍሊ መጉዓዝያ ኣሜሪካ ፔተ ባቲጌግን ምምሕዳር ኣቭየሽን ኣሜሪካን (ኤፍኤኤ) ምስ ድሕነት በረራታት ብዝተሓሓዝ እዮም ነቲ ጠለብ ኣቕሪቦም።

ነፈርቲ ዘፍርዩ ትካላት፡ እቲ ሲ-ባንድ ስፐክትረም ዝጥቀም ናይ 5ጂ ስልኪ ኣልቦ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምስ ተኣፋፍቲ ኤለክትሮኒካዊ ኣቕሑት-ነፋሪት ክጋጮን ንበረራ ክርብሽን ከምዝኽእል ኣጠንቖም እዮም።

ኣብ ፈለማ ኤቲንቲን (AT&T) ከምኡ'ውን ቨሪዞን ነቲ ጠለብ ነጺጎምዎ ነይሮም።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ነቲ ውጥን ኣወንዚፎምዎ ከምዝጸንሑ ዝገልጹ ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ብሰንበት ነዚ ካልኣይ ምድንጓይ ተቓዊሞምዎ ነይሮም።

ንሳቶም ከምቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተገብረ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ነቲ ኣገልግሎት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከዝሕልዎ'ውን ኣሚሞም።

ኢንዱስትሪ መጉዓዝያ ኣየርን ኤፍኤኤን 5ጂ ከም ራድዮን ናይ ብራኸ መዓቀኒታነን ምስዝኣመሰሉ ኣቕሑት ነፋሪት ጣልቃ ይኣቱ እዩ ብዝብል እዮም ዕቃበታቶም ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓለፍቲ ናይቶም ኣብ ዓለም ዝዓበዩ ክልተ ትካላት ምፍራይ ነፈርቲ ኤየርባስን ቦይንግን ናብ ሚኒስተር መጉዓዝያ ኣሜሪካ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ጥርዓን ደብዳበ "ናይ 5ጂ ጣልቃ ምእታው ኣብ ውሕስነት ነፈርቲ ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል" ሓቢሮም።

እቲ ደብዳበ ብጉጅለ 'ኤየርላይንስ ፎር ኣሜሪካ' ንዝተገብረ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ ኤፍኤኤ ኣብ 2019 ን5ጂ ኣፍቂዱ እንተዝኸውን ኣስታት 345 ሽሕ ናይ ገያሾ በረራታትን 5400 ናይ ጽዕነት በረራታትን ንምድንጓያት፡ መስመር ንምቕያር ወይ'ውን ንምስራዝ ምተቓልዐ ነይሩ ይብል።

እቶም ናይ ቴለኮም ኩባንያታት ነቲ ንኽልተ ሰሙን ምድንጓይ ዝብል ዝቐረበ እማመ ከምዝተቐበልዎ ብሰኑይ ሓቢሮም።

ኤፍኤኤ እቶም ኩባንያታት ነቲ ምድንጓይ ፍቓደኛታት ብምዃኖም ኣመስጊኑ።