ሊቱንያ፡ ዜጋታታ ስርሓት ቻይና ዝኾና ሞባይሎም ክድርብዩ ጸዊዓ

ሞባይላት ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሊቱንያውያን ተጠቀምቲ፡ ስርሓት ቻይና ሞባይሎም ክድርብዩን ተመሳሳሊ ሓድሽ ከይገዝኡን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኣጠንቂቑ፡፡

ብቻይናውያን ኣፍረይቲ ዝተሰርሓ ተንቀሳቐስቲ 5ጂ ስልኪታት ከምዝመርመረ ዝገለጸ ማእከል ሳይበራዊ ድሕነት እታ ሃገር፡ ሓንቲ ሳንሱር መግበሪ መሳርሒ ዝተገጠመላ ሻውሚ ዓይነታ ሞባይልን ናይ ድሕነት ጉድለት ዘለዋ ሓንቲ ህዋዌ ስልክን ከምዝረኸበ ገሊጹ፡፡

እቶም ቻይናውያን ኣፍረይቲ ስልኪ ግና ነቲ ክሲ ነጺጎምዎ፡፡ ህዋዌ ካብቲ ምህርቲ ዝሓልፍ ናይ ተጠቀምቲ ሓበሬታ ከምዘየለ እንትገልጽ ሻውሚ ድማ ኣብ መልእኽቲ ተጠቀምቲ ዝኾነ ዓይነት ምመያ ወይ ሳንሱር ከምዘይግበር ሓቢሩ።

ምክትል ሚኒስትሪ ምክልኻል ሉቲንያ ግና ‘‘ ንሕና ሓደሽቲ ሞባይላት ቻይና ከይትገዝኡን እተን ዝገዛእኹምወን ድማ ብዝተኽኣለ ፍጥነት ክትድርብዩወንን ኢና ንመክር’’ ኢሉ፡፡

ሳንሱር

ፍሉጥ ስርሐት ሻውሚ ዝኾነ ኤምኣይ 10ቲ 5ጂ፡ ከም ‘‘ነጻ ቲቤት’’፣ ‘‘ነዊሕ ዕድመ ንናጽነት ታይዋን’’ ወይ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲ’’ ዝብሉን ካልኦትን ጽሑፋት ብቐጥታ ክመሚ ዝኽእል ሶፍትዌር ከምዝተረኸቦ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብተን ስልክታት ዝርከብ ኢንተርነት ብራውዘር ሓዊሱ ናይ ሻውሚ ስርዓተ መተግበሪ ልዕሊ 449 ቃላት ክመሚ ከምዝኽእል እውን ተገሊጹ፡፡

ኣብተን ናብ ኣውሮጳ ዝለኣኻ ሞባይላት እቲ ናይ ምምማይ ክእለተን ከይሰርሕ ዝተገበረ ኾይኑ፡ እንተኾነ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ርሑቕ ክሰርሕ ምግባር ከምዝከኣል እቲ ጸብጻብ ይምጉት፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ መልሲ ዝሃበት ወሃቢት ቃል እቲ ትካል ግና "ፍርያት ሻውሚ ካብ ተጠቀምቲ ዝኸይድ ይኹን ናብኦም ዝመጽእ መልእኽቲ ኣይመምን" ኢላ፡፡

ሻውሚ ሞባይል ምስጢራዊ ሓበሬታታት ኣብ ሲንጋፖር ናብ ዝርከብ ሰርቨር የተሓላልፍ ከምዝነበረ እውን እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ህዋዌ ፒ40

ኣብ ስርሓት ህዋዌ ፒ40 5ጂ እውን ንተጠቀምቲ ኣብ ናይ ሳይበር ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ጉድለት ከምዝረኸበ እዩ እቲ መጽናዕቲ ዝሕብር፡፡

ብመሰረት እቲ እቲ መጽናዕቲ መተግበሪታት ዝሕዝ ኣካል እቲ ሞባይል ንተጠቀምቲ ናብ ሳልሳይ ወገን ዝወስድ እዩ፡፡

ወሃቢ ቃል ህዋዌ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግና እቲ ትካል ንሕጊ እተን ተጠቀምቲ ሃገራት ከምዘኽብርን ንድሕነት ሳይበርን ውልቃዊ ምስጢርን ከምዘቐድምን ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ሓበሬታታት ካብቲ ሞባይል ወጻእ ከምዘይምዕብል ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ መንጎ ሊቱንያን ቻይናን ዝጸንሐ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ እዋን እዩ እዚ ጸብጻብ ወጺኡ ዘሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሊቱንያ ኣብ ቤጂንግ ዝርከብ ኣምባሳደራ ክትስሕብን ቻይና እውን ኣብ ቪልኒየስ ዝርከብ ኣምባሳደራ ክትወስድን ቻይና ሓቲታ ነይራ፡፡

ወጥሪ ክልቲአን ሃገራት፡ ታይዋን ኣብ ሊቱንያ ዘዋፈረቶ ልኡኽ ‘ቤት ጽሕፈት ወኪል ታይዋን’ ኢላ ከምእትጽወዖ ምስገለጸት እዩ ጀሚሩ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታት ታይዋን ግን ነዚ ስያመ ኣይጥቀሙን፡፡