ቻይና፡ ፈጻሚት ኣካል ሁዋዌ ኣብ ካናዳ ምእሳራ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል'ዩ ኢላቶ

መንግ ዋንዛሁ 2 ጥቅንቲ 2014

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, መንግ ዋንዛሁ

መንግስቲ ቻይና ንምእሳር ፈጻሚት ኣካል ሁዋዌ መንግ ዋንዛሁ፡ ካናዳን ኣሜሪካን መብርሂ ክህባ ሓቲቱ።

ውሃቢ ቃል ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይናን ከምዝሓበሮ " ምኽንያት ዘይብሉ ምእሳር ንጹሃት፡ ዓቢ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት'ዩ" ኢሉ።

ብምስዓብ " ንመንግስቲ ካናዳን መንግስቲ ኣሜሪካን፡ ምኽንያት መእሰሪ መንግ ዋንዛሁ መብርሂ ክህብሉን፡ ብቅልጡፍ ብምፍታሕ ውልቃዊ መሰላ ክሕልዉላ ሓቲትና ኣለና" ኢሉ።

ጓሉ ነቲ መስራት ግዙፍ ትካል ሞባይል ሁዋዌ ዝኾነት መንግ ዋንዛሁ፡ ኣብ ካናዳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምእታዋ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ተረኪባ'ያ።

ፈጻሚት ኣካልን ላዕለወይቲ ሓላፊት ፋይናንስን እቲ ትካል መንግ ዋንዛሁ ኣብ 1 ታሕሳስ'ያ ኣብ ቫንክቨር ተታሒዛ።

ዝርዝር መእሰሪኣ'ኳ እንተ ዘይተገለጸ፡ ኣሜሪካ ትካል ሁዋዌ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነበረ እገዳ ጥሒሱ ክብል ምጽንሑ ዝፍለጥ'ዩ።

ኢምባሲ ቻይና ኣብ ካናዳ፡ ንምእሳር መንግ ዋንዛሁ ብምቅዋም ንኽትፍታሕ ጠለብ ኣቅሪቡ'ሎ።

ትካል ሁዋዌ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ክሲ ወሑድ ኣፍልጦ ከም ዘለዎ ብምሕባር " ብመንግ ዋንዛሁ ዝተፈጸመ ጌጋ የለን" ኢሉ።

ምእሳር መንግ ዋንዛሁ፡ ርክብ ቻይናን ኣሜሪካን ኣብ ዘሰክፍ ደርጃ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዝኸውን ዘሎ'ዩ።

እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓድሕደን ሰፍ ዘይብል መጠን ቐረጽ ብምንባረን'የን ናብ ምትፍናን ዘምርሓ ዘለዋ።

ሚኒስተር ፍትሒ ካናዳ፡ መንግ ዋንዛሁ ትበረላ ነፋሪትን መዓልትን ብምንጻር " ናብ ኣሜሪካ ተረኪባ ኣላ፡ ጉዳያ ናብ ቤት ፍርዲ ንክትቀርብ ክኣ ንዓርቢ ቆጸራ ተታሒዙላ ኣሎ" ኢሉ።

ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ትካል ሁዋዌ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነበረ እግዳ ምጥሓሱ ምጽራይ ጀሚሩ ምህላዉ ይጽሕፋ ኣለዋ።

ምልክት ሁዋዌ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሁዋዌ ሓደ ካብቶም ገዘፍቲ ኣፍረይቲ ሞባይል ትካላት እዩ

ሓገግቲ ኣካላት ኣሜሪካ፡ ንሁዋዌ ከም ኣስጋኢ ትካል'ዩ ብምባል፡ ንምኽሳሱ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ከቅርቡ ጸኒሖም'ዮም።

እዚ እካል መሳርሒ ስለያ መንግስቲ ቻይና ከይከውን ከኣ እቲ ቀንዲ ስግኣቶም ምኳኖም'ዮም ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም።

ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ዝኾን ቤን ሳሰ ንኣሶሼትድ ከም ዝሓበሮ፡ ቻይና ንሓይሊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣነኣኢሳ'ያ ክትርእዮ ጸኒሓ ብምባል "መሻርኽትና ዝኾንት ካናዳ ነዛ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ምእታው ብዝወሰደቶ ተበግሶ ሕጉሳት ኢና" ኢሉ።