ኩባንያ ጉግል ሓደሽቲ ሞባይላት ሁዋዌ ኣገልግሎታቱ ከይረኽባ ኣጊዱ

ሞባይላት ህዋዌ ዝጥቀሙ ሰባት - 12 ሚያዝያ 2019

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጉግል፡ ኣንድሮይድ ሞባይላት ኩባንያ ሁዋዌ ንንጥፈተን ዘቀላጥፍ ዝኾነ ዓይነት ናይ ኣፕልኬሽናት 'ኣፕዴት' (ምምሕያሽ) ከይገብራ ገዲቡ።

ሓደሽቲ ሞባይል ስልክታት እቲ ኩባንያ ንኣፕልኬሽናት (መተግበርታት) ጉግል ክጥቀማ ከም ዘይክእላ'ዩ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ 'ኩባንያታት ኣሜሪካ ፍቓድ እንተዘይተዋሂብወን ብንግዲ ክራኸብአን የብለንን' ብዝብል ኣብ ዘዳለዎ መዝገብ ኩባንያታት ህዋዌ'ውን ስለዝሰፈረ እዩ ጉግል ነዚ ዝወሰነ።

ኩባንያ ጉግል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ነቲ መምርሒ ብምኽባር ነቲ ሳዕቤናት ክንግምግሞ ኢና" ኢሉ።

ሁዋዌ ግን ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ።

እቲ ውሳነ ንተጠቀምቲ ሁዋዌ እንታይ ማለት'ዩ?

ሁዋዌ ብጉግል ዝቐርቡ ኣገልግሎታት 'ኣፕዴትስ' (ሓደሽቲ ምዕባለታ)ን ቴክኒካዊ ሓገዛትን ክረክብ ኣይክእልን። ሓደሽቲ ፍርያቱ ድማ ከም ዩ-ቱብን ካርታታትን (ማፕስ) ኣይክህልወንን።

እተን ሕዚ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዋ ሞባይላት ህዋዌ፡ ኣፕሊኬሽናት 'ኣፕዴት' (ከመሓይሻ) ይኽእላ እየን። ንድሕነት ዘውሕሱ ሓገዛትን ኣገልግሎታት 'ጉግል ፕለይ'ን እውን ይረኽባ።

ጉግል ሓድሽ ዓይነት 'ኣንድሮይድ' እንተደኣ ኣቕሪቡ ግን ሁዋዌ ኣብ ሞባይላቱ 'ኣፕዴት' ክገብር (ከመሓይሽ) ኣይክእልን።