ብሰንኪ'ቲ ብኣሜሪካ ዝተነብረሉ እገዳ ናብ ሕርሻ መፍረ ሓሰማ ዘተኮረ ኩባንያ ቴለኮም ሁዋዌ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩባንያ ቴለኮም ሁዋዌ፡ ብሰንኪ እቲ ብኣሜሪካ ዝተነብረሉ እገዳ፡ ኣተኩሮኡ ንኣፍረይቲ ሓሰማ ዝኸውን ቴክኖሎጂ ናብ ምቕራብ ከም ዝቐየረ ተገሊጹ።
እቲ ቻይናዊ ዓርሞሸሽ ኩባንያ፡ ንድሕነት ኣሜሪካ ስግኣት እዩ ብዝብል ብምምሕዳር ትራምፕ ብዝተነብረሉ እገዳ፡ ንሕጽረት ኣገደስቲ ቀረባት እዩ ተቓሊዑ።
በቲ ገጢምዎ ዘሎ ምንቁልቋል መሸጣ ቴለፎናት፡ ሁዋዌ ካልእ ምንጪ ኣታዊ ኣብ ምንዳይ ተጸሚዱ ኣሎ።
ብዘይካ'ቲ ምስ ንኣፍረይቲ ሓሰማ ዝኸውን 'ኣርተፊሻላዊ ኢንተሊጀንስ' ምምዕባል፡ ምስ ኢንዱስትሪ ዕደና ከሰል ይሰርሕ ምህላው'ውን ተፈሊጡ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ሁዋዌ ውልቃዊ ሓበሬታ ንመንግስቲ ቻይና ከቐብል ከም ዝኽእል እዩ ዝኸስስ። ሁዋወይ ግና ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ነጺግዎ እዩ።
በዚ መሰረት እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ኣፍራዪ ንዋት ቴለኮም ዝኾነ ሁዋወይ፡ ናይ 5ጂ ሞዴላት ኣቕሑት ከእትው ብመንግስቲ ኣሜሪካ ፍቓድ ብዘይምርካቡ ኣብ ምፍራይ 4ጂ ሞዴላት ተሓጺሩ ኣሎ።
እቲ ትካል ብሰንኪ እቲ ዝገጠሞ ሕጽረት ቀረብ ማይክሮቺፕስ፡ ኣብ መወዳእታ ርብዒ ዓመት 2020፡ መሸጣ 'ስማርት' ቴለፎናት ሁዋዌ ብ42 ሚእታዊ ጎዲሉ።
ምስ ሃገራዊ ድሕነት ብዝተሓሓዝ ስግኣታት፡ ሁዋዌ ብሪጣንያ ኣብ እትርከበን ብርክት ዝበላ ሃገራት'ውን 5ጂ ካብ ምምዕባል ተኣጊዱ ኣሎ።
እቲ ትካል ኣብዚ ዓመት ኣብ ፍርያት ስማርት ቴለፎናት፡ ክሳብ 60% ምጉዳል ክገብር ምዃኑ ገለ ጸብጻባት እኳ እንተገለጹ፡ በቲ ትካል ዝተውሃበ መረጋገጺ የሎን።
መፍረ ሓሰማ
ቻይና ኣብ ዓለም ወናኒት ዝዓበየ ኢንዱስቲ መፍረ ሓሰማ ክትኸውን እንከላ፤ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ብዝሒ ሓሰማ እቲ ፍርቂ ኣብታ ሃገር ይርከብ።
ብመገዲ ሕማማት ንምልላይን፡ ምንቅስቓስ ሓሰማታት ንምክትታልን ዘኽእል ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ፡ ንሕርሻታት ሓሰማ ዘመናዊ ንምግባር እቲ ቴክኖሎጂ ይሕግዝ ኣሎ።
ቴክኖሎጂ ምልላይ ገጽ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓሰማ ከለልይ ዝኸኣለ ኮይኑ፡ ካልእ ቴክኖሎጂ ድማ ክብደቶም፡ ኣመጋግባኦምን ብቕዓት ኣካላዊ ምንቅስቓሳቶምን ይቆጻጸር።
ኣብ ምምዕባል ገጽ ዘለልይ ቴክኖሎጂ ዝርከብ ሁዋዌ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተጻብኦ ገጢምዎ ኣሎ። እቲ ምኽንያት ድማ እቲ ቴክኖሎጂ ካብ ዝተቐረበሉ ስእሊ ናይ ሰባት፡ ነቶም ንተወላዶ ዊገር ዝመስሉ ብምልላዩ እዩ።
ጄጂዳትኮምን ኣሊባባን ዝርከብዎም ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ቻይና፡ ዝተፈላለዩ ንሓረስቶት ሓሰማ ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት ኣብ ምምዕባል ተጸሚዶም ጸኒሖም ኣለው።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







