ምዕራባውያን ንቻይናዊ ኩባንያ ሁዋወይ ስለምንታይ ይፈርሕዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይናዊ ግዙፍ ትካል ቴሌፎን ሁዋወይ ሓደ ካብቶም ዕዉታት ዝበሃሉ ኣህጉራውያን ትካላት'ዩ። ኾይኑ ግን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንምንታይ ኢዩ ምጉት ኣልዒሉ ዘሎ?
ዋሽንግተን ነዚ ትካል ከም ሃገራዊ ስግኣት ብምርኣይ ኣብ ዝኾነ ናይ ፈደራል ጨረታ ከይሳተፍ ከልኪላቶ እያ። ኣሜሪካ እዚ ትካል ምስ መንግሰቲ ቻይና ጥቡቅ ዝምድና ሰለ ዘለዎ፡ ናይ ዜጋታት ምዕራብን ናይ ትካላትን መንግስታት ሓበሬታ ንመንግስቲ ቻይና ከቐብል ኢዩ ዝብል ስግኣት ኢዩ ዘለዋ።
ንብዙሓት መሓዙታ ዘኾና ሃገራት ድማ ካብቲ ኣብ ምምዕባል ዘሎ 5G ዝበሃል መርበብ መራኺቢታት ንሁዋወይ ንኸወግድኦ ጸቕጢ ትገብር ኣላ።
ይኹን እንበር እዚ ብኣሜሪካ ዝቐርብ ዘሎ ስግኣት ማዕረ ክንደይ ኢዩ ምኽኑይ?
ሁዋወይ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ክሲ መስሪቱ ኣሎ። መስራቲ እቲ ትካል፡ 'ኣንጻርና ዝግበር ዘሎ ዘመተ ጭብጢ ዘይብሉ ኢዩ፡ ብዛዕባ ውሕስነት ሳይበር ድማ ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ንኹለን ከማና ዝኣመሰላ ትካላት ብማዕረ'ዩ ዝምልከት' ይብል።
እዚ ምስሕሓብ ነቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ቻይናን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ንግዲ ወጥሪ ነዳዲ ወሲኽሉ ኣሎ።
ምጥላፍ ሓበሬታ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሁዋወይ ኣብ ዓለም ካልኣይ ዝዓበየ ኣፍራዪ ስማርትፎን ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 200 ሚልዮን ቴሌፎናት ሸይጡ።
ንኣሜሪካ ዘሻቅል ዘሎ እንበኣር፡ እቲ ትካል ምስ ሰራዊት ቻይና ዘለዎ ቅርበት ኢዩ። መስራቲ እቲ ትካል ኣባል ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሰራዊት ቻይና ኢንጂነር ውን ኢዩ።
ስግኣት ኣሜሪካ እንበኣር፡ መንግስቲ ቻይና ምስ ዝሓትት እዚ ትካል ካብ ሃገራት ዝኣከቦ ሓበሬታ ብቐሊሉ የሕሊፉ ክህቦ ኢዩ ዝብል'ዩ። ትካላት ቻይና ከም ምዕራባውያን ትካላት ናይ ብሕትውና መሰል የብለንን ኢላ ድማ ትምጉት። እንበር እዚ ትካል ኣብ ሃገርና ክነጥፍ ምስ ነፍቅድ ሓበሬታ ክጠልፍ ውን ኢዩ በሃሊት ኢያ።

ምንጪ ስእሊ, Boeing/ Handout
መስራቲ ትካል ሁዋወይ ግና መንግስቲ ቻይና ዘይግቡእ ሓበሬታ ክንህቦ ኣይሓተተናን በሃሊ ኢዩ። ትካልና ናይ ውልቂ ኢዩ፡ ምስ መንግስቲ ዘራኽቦ ድማ ምኽፋል ግብሪ ጥራይ ኢዩ ክብል ይዛረብ።
ብመሰረት ጸብብጻብ CNN: ሁዋወይ ነቲ ኣብ ግዝኣት ሞንታና ዝርከብ ግንቢታት ተሌፎን ምስቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ጣልቃ ከም ዝኣቱ ብምግባር፡ ኣብ ኣሰራርሓ ባሊሰቲክ ሚሳይል ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ሰበስልጣን ቻይና ግና እዚ ኣብሃህላ ትርጉም ዘይብሉ ኢዩ ክብሉ ይነጽግዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ 5G ኣብ ልዕሊ ሁዋወይ ጸቅጢ ንኽገብራ ንኢንግሊዝን ጀርመንን ትምሕጸንን ኣላ። ገለ መሓዙት ኣሜሪካ ዝኾና ሃገራት ንሁዋወይ ካብ ቴክኖሎጂ 5G ክዓጽኦ ሙኳነን ድሮ ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ጀርመን'ውን ናይ መራኸቢታት ትሕተቅረጻ ልዑል ናይ ጸጥታ ቁጽጽር ከም ዝግበረሉ ኣፍሊጣ ኣላ።
ሕጊ ስለያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰነ 2017 ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ንምእካብ ሓበሬታ ደገ ዝኸፍት ዘይንጹር ሕጊ ስለያ ከም ዘጽደቐ ሃገራተ ምዕራብ ይዛረባ። ይኹን እንበር ምሁራት ሕጊ ቻይና በዚ ኣይሰማምዑን ኢዮም። 'ፍርሒ ምዕራባውያን ኣብ ጽልዋ ዴሳዊ ሰልፊ ንቻይናውያን ኩባንያታት ኣዝዩ ዝተጋነነ ኢዩ' ድማ ይብሉ።
ዝኾነ ኾይኑ ግና ሁዋወይ ግዳይ ሙዃኑ ኣይተረፎን። ብዙሓት መንግስታት ኣብኡ ዝነበረን እምነት ኣጉዲለን ኢየን።
ናይ ንግዲ ኲናት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ክርክር፡ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ንግዳዊ ምስሕሓብ ተጸሚደን ኣብ ዘለዋሉ ኢዩ ዝኽሰት ዘሎ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ፕረሲደንት ኣሜሪካን መዘንኡ ናይ ቻይናን ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዋዕላ G20 ኣብ ዝነበርሉ፡ ፖሊስ ካናዳ ንላዕለዋይ ሓላፊ ፋይናንስ ሁዋወይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቫንኩቨር ኣሲርዎ።
ጓል መስራቲ ሁዋወይ መንግ ውን ብምድንጋርን ብምጥሓስ እገዳ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ተወንጂላ ተኣሲራ ኢያ። እዚ ፍጻሜ ንቻይናውያን ዘቖጥዐ ኮይኑ ማዕረ ጭውያ ከም ዝሕሰብ ኢዮም ገሊጸሞ። ዓላምኡ ድማ ንቻይና ካብ ዓለማዊ ንግዳዊ ዕብለላ ንምዕንቃጻ ሙዃኑ ይምጉቱ።
ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ፤ እቶም በተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንቻይና ዝነቕፉ ዲሞክራትን፡ እቶም ሃገራዊ ውሕስነት ዘቐድሙ ሪፓብሊካንን ኣብ ምዕጋት እዚ ኩባንያ ብሓደ ሰሚሮም ኣለዉ።
እዚ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ንግዲ ክሃድእ ዲዩ ወይስ ናብ ዘይተደልየ ኢዩ ክዓርግ ብቐሊሉ ንምግማቱ ዘጸግም ኢዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







