ኣብ ርዋንዳ ካብ ባናና ዝተጾምቀ ቢራ 11 ሰባት ቀቲሉ

ካብ ሙዝ ዝተጾምቀ ቢራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ቡገሴራ ኣብ ዝተብሃለት ዞባ፡ ካብ ሙዝ [ባናና] ዝተጾሞቀ መቦቀላዊ ቢራ ዝሰተዩ ዓሰርተ ሓደ ሰባት ከምዝሞቱ ቤት ጽሕፈት መርመራ ርዋንዳ ኣረጋጊጹ።

ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ድጋፍ ይግበረሎም ኣሎ ተባሂሉ።

በዓል-መዚ ምግብን ኣፋውስን ርዋንዳ፡ ምኽንያት ሞት እቶም ሰባት ምስቲ ኣብ ካብዶም ዝተረኽበ ብዙሕ ሜታኖሎን ዝተብሃለ ዓይነት ኣልኮል ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ኣአንፊቱ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ምርመራ ርዋንዳ [RIB] ከምዘረጋገጾ፡ ነቲ ሞት ስዒቡ ወናኒ እቲ ቢራ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ምጽሟቕ እቲ ቢራ ሕጋዊ ፍቃድ ዘይነበሮን፡ ቅድም ክብል'ውን ከይሰርሕ ተኸልኪሉ ዝነበረ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ምርመራ ወሲኹ ሓቢሩ።

ፍቓድ ዘይብሎም ጸሞቕቲ ባህላዊ ቢራ ጠጠው ከብሉ ብብርኪ ሃገር ጎስጓሳት ክካየዱ ቐንዮም ኣለዉ።