ኣልኮላዊ መስተ፡ ካብ ዕፉን ቢራ ዘፍረየ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ

"ካብ ዕፉን ቢራን ውስኪን ከፍሪ ክኢለ'የ" ዝብል ተመሃራይ ራብዓይ ዓመት ኬሚካል ኢንጅነሪንግ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኤርሚያስ ዋቅሹማ'ዩ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ዊስኪ ንምፍራይ ካብ 7 ክሳብ 10 ዓመት ዝወስድ ዝነበረ ግዜ ብምሕጻር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ከፍሪ ከም ዝኽኣለ ይዛረብ።
እዚ እቲ ናይ ምፍራይ ግዜ ብምሕጻር ዝጥለብ ምህርቲ ምርካብ ናይ ባዕሉ ናይ ምህዞ ሓሳብን ውጽኢትን ከም ዝኾነ ይዛረብ።
ኤርሚያስ ዕፉን ተጠቒሙ ቢራን ዊስኪን ከፍሪ ዝደለየሉ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዙሕ ምህርቲ ስለ ዘለና'ዩ ይብል።
ቢራ ካብ ስገም ምፍራይ ልሙድ እኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዕፉን ትኹረት ገይሩ ብምስራሕ "ጽቡቕ" ዝብሃል ኣልኮላዊ መስተ ከፍሪ ከም ዝኽኣለ ይዛረብ።
እዚ እኽሊ ካብ ካልኦት ምህርታት ብዝተፈለየ ኣብ ዕዳጋ ብትሑት ዋጋ ስለ ዝቐርብ'ውን ብቐሊሉ ንኢንዳስትሪ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ብምግላጽ ካብኡ ዝፈሪ ነገራት ብዝተሓተ ዋጋ ንምቕራብ ከም ዝሕግዝ ሓቢሩ።
ብዝሒ ተጠቀምቲ ኣልኮል ካልእ መበገሲ ሓሳብ ዝኾኖ ዛዕባ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።
እዚ ልዑል ብዝሒ ዓማዊል ዝረክብ ዘሎ ኢንዳስትሪ ብኸምዚ ዓይነት ምህዞ እንተድኣ ተሓጊዙ ጽሬት እቲ ምህርቲ ከይጎደለ ብትሑት ዋጋ ድልየት ዓማዊል ምርዋይ ከም ዝክኣል ይዛረብ።
ብተወሳኺ ፋብሪካታት ምፍራይ ቢራ ዝተወሰኑ ምህርታቶም ሸርፊ ወጻኢ ተጠቒሞም ኣታዊ ስለ ዝገብሩ፡ ንሱ ብስራሕቲ ምህዞ ነቶም ወጻኢታት ንምትራፍ እንተሰሪሑ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ክተድሕን ከም እትኽእል ይኣምን።
እዚ ሓሳብ ኣቐዲሙ ነቲ ዝመሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ከቕርቦ እንከሎ ኣይተቐበሉዎን፤ ግን ድማ ብናይ ባዕሉ መገዲ ናብ ናይ ምርምር ስራሕቲ ከም ዝኣተወ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብዚ ስራሕ ክነጥፍ እንከሎ፡ ሕጽረት ገንዘብ፣ እቲ ስራሕ ንኻልኦት ኣረዲእኻ ተቐባልነት ምርካብ ዝበሉ ጸገማት ከም ዘጋጠሙዎ ተዛሪቡ።
ኤርሚያስ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ለይቲ ሓዊሱ ኣብ ቤተ ፈተነ ብምሕላፍ እቲ ናይ ምርምር ስርሑ ክውድእ ከም ዝኽኣለ'ዩ ዝገልጽ።
ሕጂ ብደረጃ ፈተነ ምስ ሄኒከን ቢራ ብምትሕብባር 100 ቢራ ኣፍርዩ ኣሎ።
እዚ ምህርቲ ቢራ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ ምስ ካልኦት ምህታት ተወዳዳሪ ኮይኑ ክሽየጥ ምርኣይ ሕልሙ'ዩ።
እቲ ቢራ 4.79 ሚኢታዊት መጠን ኣለኮል ኣለዎ፤ እቲ ውስኪ ድማ መጠን ኣልኮሉ 42 ሚኢታዊት ምዃኑ ተዛሪቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







