ብናይ ማይ ቡምባ ኣልኮል ተሓዊሱ ዝመፅኦም ሰባት ኣብ ስንባደ ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, Joshy Maliyekkal
ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ከሬላ ሓደ ዘስደምም ክስተት ኣጋጢሙ።
ኣብ ሓደ ሰባት ብሓባር ዝነብሩሉ ህንጻ፡ ነበርቲ ናይ ገዝኦም ቡንባ ማይ ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን፡ ቢራ፣ ብራንዲን ራምን ዝተሓወሶ ኣልኮል መጺኡዎም።
እቲ ዝሃግግ ጨና ኣብ ክሽነ ብዝርከብ ቡንባ ማይ እዩ ወፂኡ።
ሃንደበት፡ ማዮም፡ ምስ ኣልኮል ከምዝተሓወሰ ዝተገንዘቡ እቶም ነበርቲ፡ በቲ ኩነታት ሰንቢዶም ንሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣፍለጡ።
ግን እቲ ዝስተ ማይ ብኸመይ ምስ ኣልኮላዊ መስተ ክሕወስ ክኢሉ?
ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኣስታት ሽድሽተ ሽሕ ሊትሮ ዘይሕጋዊ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሓባራዊ መንበሪ ህንፃ ኣብ ዝርከብ ጉድጓድ ተቐሚጡ ነበረ።
እቲ ብትእዛዝ ቤት-ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተወ መስተ፡ ብትሕቲ መሬት ይፈስስ እሞ፡ ግዝኣት ትሪሶር ማይ ናብ እትስተየሉ ዒላ ይሕወስ።
ካብቲ ዒላ 18 ሓባራዊ መንበቲ ኣባይቲ ዝስተ ማይ ይጥቀሙ።
ጆሺ ማልይካል ዝተባህለ ነባሪ እዚ ከባቢ "ብጣዕሚ ኢና ሰንቢድና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቶም ነበርቲ፡ ነቲ ሕማቕ ጨና ዘለዎ ኣልኮላዊ መስተ ክሰትዩዎ እንተዘይከኣሉ፡ ንመስተን መሕፀብን ዝኸውን ማይ እውን ኣይረኸቡን።
"ብሰንኪ ፀገም ማይ፡ደቅና ናብ ትምህርቲ ክኸዱ ኣይከኣሉን፤ ካብ ስራሕ እውን በዂርና ኢና ዘለና" ኢሉ ጆሺ ማልይካል።

ምንጪ ስእሊ, Joshy Maliyekkal
እቶም ነበርቲ ነቲ ኣጋጣሚ ንዝምልከቶም ኣካላት ምስሓበሩ፡ ሰብ መዚ ጌግኦም ንምእራም ፈቲኖም።
ይኹን'ምበር ነቲ ናይ ማይ ዒላ ንምፅራይ፡ ሓደ ወርሒ ከምዝወስድ ገሊፆም።
በዚ ድማ እቶም ነበርቲ፡ ሰብ መዚ እታ ኸተማ ዘምፅኡሎም ማይ ጥራሕ ክጥቀሙ ግድን ኮይኑ ኣሎ።
"ዋላ እኳ በብመዓልቱ ሓሙሽተ ሽሕ ሊትሮ ዝኸውን ማይ እንተምፅኡ፡ ነቲ ኣብዚ ህንፃ ዝነብር ሰብ ግና እኹል ኣይኮነን" ኢሉ ጆሺ ማልይካል።
ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ግና፡ ኣብዚ ጉዳይ ብቢቢሲ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ክህቡ ኣይከኣሉን።
ግዝኣት ኬራላ፡ ካብተን ኣብ ህንዲ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ዝስተየለን ግዝኣታት እያ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







