ቻይና ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ውቃጦ ከይገብሩ ከልኪላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣካላቶም ከይውቀጡን ዝተወቀጡ እውን ከጥፍእዎን ዝእዝዝ መምርሒ ኣውጺኣ፡፡
ንስፖርት እታ ሃገር ዘመሓድር ኣካል ከምዝገለጾ፡ በደረጃ ሃገራዊት ጋንታን ተተካእትን ውቃጦ ዘለዎም ሓደሽቲ ተጻወትቲ ምምልማል ‘‘ብጥብቂ ክልክል እዩ’’፡፡
እቲ ስጉምቲ ኣብ ሕብረተሰብ ጽቡቕ መርኣያ ንምዃን ከምዝሕግዝ እውን ገሊጹ፡፡
ከም ኣብ ምክልኻል ዝጻወት ዛንግ ሊንፐንግ ዝበሉ ከዋኽብቲ፡ ቅድም ክብል ውቃጦኦም ክሽፍኑ ተነጊርዎም ነይሩ፡፡
ቻይና ካብ 2018 ጀሚራ ውቃጦ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ከይረኣይ ቁጽጽር እናገበረት ጸኒሓ፡፡ ገለ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ እውን ውቃጦኦም ንምሽፋን ነዊሕ እጅገ ዘለዎ ክዳን ክኽደኑ ይረኣዩ፡፡
ምምሕዳር ስፖርት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ውቃጦ ዘለዎም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ‘‘ከጥፍእዎ መኺርናዮም ኢና’’ ኢሉ፡፡
ውቃጦ ከም መፍለዪ ገበነኛታት ተገይሩ ስለዝረኣይ ኣብ ባህሊ ቻይና ቅቡል ኣይኮነን፡፡ ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ እስያ ምስ ገበነኛ ጉጅለታት ተኣሳሲሩ እዩ ዝረአ፡፡ ኣብ ገለ ዓሌታት ዝግበር ባህላዊ ውቃጦታት እውን ከም ናይ ዘይምምዕባል ምልክት ተገይሩ ይውሰድ፡፡
ዋለኳ ውቃጦ ብኮሚኒስታዊ ውድብ ቻይና እውን ተቐባልነት ዘይብሉ እንተኾነ፡ ብቻይናውያን መንእሰያት ግን ፍቱው እናኾነ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ፡፡
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ተቖጻጸሪ መራኸቢ ብዙሃን ቻይና ‘‘ዘይጥዑይ ትሕዝቶ’’ ኣለዎም ኣብ ዝበሎም ጉዳያት ሕግታቱ ከምዘጥብቕ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ውቃጦ ዘለዎምን ጸጉሮም ንድሕሪት ዘትሓዙን ተባዕትዮ ስፖርተኛታትን ፍሉጣት ሰባትን ኣብ ቴሌቪዥንን ኢንተርነትን ከይረኣዩን ኣብ ገለ ድማ ምስሎም ሃሲሱ ክረኣይን ተገይሩ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ቻይና ይካየድ ኣብ ዝነበረ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጸጉረን ሕብሪ ዝለኸያ ተጻወትቲ ካብ ጸወታ ብምኽልካለን እቲ ውድድር ተቛሪጹ እዩ፡፡
ኣብቲ እዋን ነቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዘካይድ ሊግ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ኣብ ኩሎም ብርኪታት ዝርከቡ ስፖርተኛታት ውቃጦ ክወቀጡ፣ ጸጉሮም ሕብሪ ክለኽዩ፣ ጸጉሮም ባህ ብዘይብል መንገዲ ክስርሑን ገለ ነገር ክልጥፉን ክልኩል እዩ፤ እንተዘይኮይኑ ኣብቲ ውድድር ከሳተፉ ኣይፍቀድን’’ ኢሉ ነይሩ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







