እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ፡ ሰልፈኛታት ህንጻ ቤት ምኽሪ ነበር እታ ሃገር ኣቃጺሎም
ንሉኣላውነት ደቀባት ኣወስትራልያ ዝድግፉ ተቓወምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካንቤራ ንዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ዝነበረ ህንጻ ኣቃጺሎም፡፡
በቲ ባርዕ ጉድኣት ዝበጸሖ ሰብ እኳ እንተዘይሃለወ ናይ ቅድሚት በሪታት እቲ ህንጻ ግን ዓንዮም፡፡
እቲ ባርዕ ሓዊ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ሰሙናት ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ከምዝተፈጸመ ፖሊስ ገሊጹ፡፡
ዋላኳ ኣብ እዋን ተቓውሞ ሓዊ ምቅጻል ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ እናተለመደ ዝመጸ እንተኾነ፡ ክንድዚ ጎነጽ ዝተመለኦ ሰልፊ ግን ኣብታ ሃገር ዝተለመደ ኣይኮነን፡፡
ብሓሙስ ኣብቲ ትውፊታዊ ህንጻ ባርዕ ምስተልዓለ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ብቕልጡፍ ክወጹ ተገይሩ፡፡
እቶም ሰልፈኛታት ኣብ በሪ እቲ ህንጻ ኮፍ ኢሎም ሰላማዊ ተቓውሞ ከካይዱ ቐንዮም ነይሮም፡፡
ነቲ ህንጻ ዝግለገል ዘሎ ‘ሙዝየም ኦፍ ኣወስትራልያን ዲሞክራሲ’ ዝተባህለ ትካል ዛጊድ ብዛዕባ እቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝበሎ የለን፡፡
ቅድሚ መበል 50 ዓመት ምጅማር እቲ ፖለቲካዊ መሰላት ዋንነት መሬት ኣወስትራልያውያን ደቀባት ንምርግጋጽ ተቓውሞን ዘተን ዘካይዱሉ ኣብ ደገኣፍ ህንጻ ቤት ምኽሪ ዝርከብ ሰውሒ (ኣቦርጅናል ተንት ኤምባሲ)፡ ጎስጓሳት ክካየዱ ቀንዮም፡፡
ፓርላማ ኣወስትራልያ ካብ 1988 ኣኣ ጀሚሩ ናብ ካልእ ህንጻ ዝተዛወረ ኮይኑ፡ እቲ ነባር ህንጻ ከም ሃገራዊ ቅርሲ እታ ሃር ኮይኑ እዩ ዘገልግል ፡፡
ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ ዓመጽ፡ ‘‘ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’’ ክብሎ ኮኒኖምዎ፡፡
ፖሊስ እውን እቲ ሓደጋ የጻርዮ ከምዘሎ ገሊጹ፡፡