እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣወስትራልያ ወተሃደራታ ኣብ ምጥፋእ ሓዊ ክሳተፉ ጸዊዓ
ኣብ ኣውስትራሊያ እናተጋደደ ይመጽእ ዘሎ ባርዕ ሓዊ ንምክልኻል 3 ሽሕ ወታሃደራት ከምዝዋፈሩ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ስኮት ሞሪሰን ገሊጹ።
እቲ ጻውዒት ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ፈላማይ ከምዝኾነ ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ሊነዳ ረይኖልድስ ሓቢራ።
ብሰንኪ እቲ ባርዕ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣወስትራልያ ዘሎ መጠን ዋዒ 40 ዲግሪ ሰንትግሬድ በጺሑ'ሎ። ቀዳም እውን ዝበኣሰ ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ እቲ ባርዕ 23 ሰባት ቀቲሉን ከባቢ 1500 ገዛውቲ ኣቃጺሉን እዩ።
ሎሚ ቀዳም መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሪሰን፡ እቲ ባርዕ ቅድሚ ሕዚ ብዘይተርኣየ መልክዑ ይውስኽ ከምዘሎ ተዛሪቡ።
ሰብ ሞያ ምክልኻል ሓደጋ፡ ነበርቲ ከባቢ ምብራቓዊ ቪክቶር፡ያ ኣብ ጎልጎልን ማያዊ ከባቢታትን ከዕቝቡ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብተወሳኺ፡ ብ 20 ሚልዮን ዶላር ኣርባዕተ ሓዊ መጥፋእቲ ነፈርቲ ክዕደጋ መደብ ምሓዙ ገሊጹ ኣሎ።