እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘይሕጋውያን ሓረስቶት ሓሺሽ ኬንያ፡ ዝፈጠርዎ ባርዕ መሮር፡ ጫካ ኣርቃይ የብርስ
እቲ ባርዕ መሮር ብዘይሕጋውያን ሓረስቶት ሓሺሽ ከም ዝተጀመረ ዝእመነሉ ኮይኑ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሄክታራት ጫካ ኣርቃይ እናብረሰ ይርከብ።
እቲ ባርዕ ሓዊ፡ ከባቢ 80 ትርብዒት ኪሎሚትር ዝሽፍን ቦታታት ዘቃጸለ ክኸውን ከሎ፡ ንዓመታት ተሓዚኡ ዝነበረ ኣግራብ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ይርከብ።
ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝገፍሐ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣርቃይ ጫካ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢዩ ዝርከብ። ጸብጻባት ከም ዘርእይዎ፡ 3-4 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ኣርቃይ ጫካ ኣብዚ ከባቢ እዩ ዝርከብ።
እዚ ሃልሃልታ ሓዊ ቕድሚ 6 መዓልቲ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ሓያል ሙቐትን ንፋስን እናተዘርገሐ ይኸይድ ኣሎ።
ኬንያ ክንድ'ዚ ዝኣክል መጠን ዘለዎ ባርዕ ክትቆጻጸረሉ እትኽእል ዓቕማ ድሩት እዩ።
ስእሊ፡ Bobby Neptune