እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ኮቪድ ዝከላኸሉ" ዝበሎም ክዳውንቲ ከምዘዳለወ ዝገለጸ ኩባንያ ሚልዮናት ተቐጺዑ
ኣብ ኣወስትራሊያ ንለብዒ ኮቪድ “ዘጥፍኡን” ዝከላኸሉን ዝበሎም ክዳውንቲ ዘላለየ ኩባንያ 2.6 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ተቐጺዑ።
ሎርና ጄን ዝተባህለ ትካል "ንኹሎም ጠንቅታት ሕማም ዝኾኑ ነገራት' ንምክልኻል ዝሕግዝ ክዳን ንምድላው "ኣዝዩ ልዑል ቴክኖሎጂ" ከም ዝተጠቐመ፡ ነቲ ክዳን ምስ ዓማዊል ንምልላይ ኣብ ዘዳለዎ መዋዓውዒ ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ዳይና ኣብ ዝሃቦ ውሳነ “መዝማዚ፣ ዘማቲን ኣዝዩ ሓደገኛን” ክብል እቲ ኩባንያ ኣብ መዋዓውዒ ንዝተጠቐሞ ሓሳባት ነቒፉ።
እቲ ፋብሪካ ብወገኑ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ’ሎ።
ነዚ ክብል ዝኸኣለ ድማ ካብ ኣቕረብቱ ብዝተዋህቦ ግጉይ ሓበሬታ ተመሪሑ ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ ኩባንያ ቢል ክላርክሰን "እንኣምኖ ኣቕራቢ’ዩ ቲ ከም ዝተባህሎ ዘይኮነ ዓይነት ፍርያት ሸይጡልና' ክብል ተዛሪቡ።
ወሲኹ ድማ "እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ኣወስትራልያ፣ ኣሜሪካ፣ ቻይናን ታይዋንን እውን ከም ዝተሸጠን ጸረ-ባክተርያ ከምኡ’ውን ጸረ-ቫይረስ ከም ዝኾነን ክንኣምን ገይሮምና' ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ።
ሎርና ጃን ነቲ ክዳውንቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ክሸይጥ ምስ ጀመረ፡ ናብ ኮሚሽን ውድድር ዕዳጋን ዓማዊልን ኣውስትራልያ ሓበሬታ ስለ ዝበጽሖ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝወሰዶ ተፈሊጡ።
ቤት ፍርዲ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ከኣ እቲ ኩባንያ ዘይብሉ ዓይነት ቴክኖሎጂ ኣለኒ ብምባል ናብ ዓማዊል ከም ዘቕረበ ኣረጋጊጹ።
ኣቦመንበር እቲ ኮሚሽን ሮድ ስሚዝ ብመንጽር ጥዕና ማሕበረሰብ ክረኣይ ከሎ ዘየለ ነገር ከም ዘሎ ኣምሲልካ ምቕራብ ልክዕ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኒው ዚላንድ፣ ኣሜሪካን ሲንጋፑርን መደብራት ዘለውዎ ሎርና ጄን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ጉዳይ መአረምታ መልእኽቲ ክዝርግሕ ብቤት ፍርዲ ተኣዚዙ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ምስ ኮቪድ ብዝተሓሓዝ "ዘይሕጋዊ መዋዓውዒ" ሰሪሑ ብዝብል 40,000 ዶላር ኣወስትራልያ ተቐጺዑ ነይሩ።