ምስ ካልኦት ደቂኣንስትዮ 6 ሃገራት ‘ናይዚ ዓመት ጀግና’ ዝተባሃለት ኢትዮጵያዊት ዶክተር

ዶክተር ሩት ድሪባ

ምንጪ ስእሊ, Ruth Diriba

መግለጺ ስእሊ, 'ጀግና በዓልቲ ሞያ ጥዕና 2021'

ዶክተር ሩት ድሪባ ኣብ ድሬዳዋ ሃሮማያ እያ ተወሊዳን ዓብያን። ዝዓበየትሉ ቁሸት ድማ ኣብ ጥቃ ዩኒቨርሲቲ ሃሮማያ ዝርከብ ኮይኑ ባቲ ይባሃል።

ካብ 2004 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚራ ንተኸታተልቲ ሽድሽተ ዓመታት ኣብ ሆስፒታል ቅዱስ ፓውሎስ ትምህርቲ ሕክምና ዝተኸታተለት ኮይና፤ ናብ ገጠር ብምኻድ ክተገልግል ዝለዓለ ድልየት ነይርዋ።

ናብ ክልል ደቡብ [ኣብዚ እዋን ሲዳማ ብዝብል ኣብ ዝተጣየሸ ክልል] ዝርከብ ‘ለኩ’ ዝተበሃለ ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ምስተመደበት ድማ ብታሕጓስ’ያ ተቐቢላቶ። ፈለማ ኣብ ክፍሊ ሕክምና ህጻናት ጸኒሓ ድማ ንተመላለስቲ ተሓከምቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝህብ ክፍሊ ተመዲባ ሰሪሓ። ጥዕና ደቂኣንስትዮ ቀንዲ ቆላሕታ ካብ እትህቦም ዓውዲታት ከምዝኾነ ትዛረብ።

ኣብዚ እዋን ከኣ ‘ላስት ማይል ሀልዝ’ ኣብ ዝባሃል ትካል ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ትሰርሕ ዘላ ኮይና፡ ንሞያዊ ኣበርክቶኣ ከኣ ኣብ 2021 “ጀግና በዓልቲ ሞያ ጥዕና” ተባሂላ’ላ።

ነዚ ኣፍልጦ ዝሃባ ‘ዉመን ኢን ግሎባል ሀልዝ’ ዝተባሃለ ትካል’ዩ። ምስኣ ድማ ካብ ኬንያ፣ ሊባኖስ፣ ህንዲ፣ ፓናማ፣ ፓኪስታንን ሰራሊዮንን ዝተሓረያ ሰብሞያ ጥዕና ጀጋኑ ተባሂለን ኣለዋ።

ሸውዓቲኤን ጀጋኑ ዝተባሃላሉ ምኽንያት ድማ ንጥዕና ደቂ-ኣንስትዮን ጾታዊ ማዕርነትን ብዝፈጸምኦ እጃም ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

ስርዓተ-ጥዕና ዓለምና 70 ሚኢታዊት ብደቂኣንስትዮ ከምዝሽፍን ይግለጽ። ዓመታዊ ድማ ኣብ ጥዕናን ማዕበራዊ ዓውድን ብማእኸላይ ገምጋም 3 ትሪልዮን ዶላር ትርፊ ክርከብ ይሕግዛ። ኣብ ጥዕና ማሕበረሰብ’ውን ዝለዓለ ብጽሒት ይፍጽማ፤ ግን ከኣ ብዙሕ ክምስገና፣ ክውደሳን ክኽበራን ኣይረኣያን።

ስለዝኾነ ድማ ‘ዉመን ኢን ግሎባል ሀልዝ’ በቢ ዓመቱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተመረጻ ደቂኣንስትዮ ሰብሞያ ጥዕና ጀጋኑ ክብል ይንእደን።

ዶክተር ሩት ነቲ ኣፍልጦ ምስረኸበት ኣዘራሪብናያ ኔርና። ኣብ ለኩ ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ዝነበራ ጽንሒት፤ ኣብ ጥዕና ደቂኣንስትዮን ማሕበረሰብን ብዝያዳ ንክትሰርሕ ከምዝገበራ ትዛረብ።

“ፈለማ ሰንቢደ፤ ጸኒሔ ድማ ተሓጒሰ”

እቲ ሽልማት በቢዓመቱ ካብ ዝተፈላለያ ኣህጉራት ንዝተመረጻ ደቂኣንስትዮ ሰብሞያ ጥዕና ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ድማ ብፍላይ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንዝሰርሓ ትኹረት ብምግባር’ዩ መሪጹ።

ሓንቲ ካብ ሞንጎ እተን ዝተመረጻ ዝኾነት ዶክተር ሩት “ፈለማ ሰንቢደ፤ ጸኒሔ ድማ ተሓጒሰ። ዓብዪ ሓላፍነት ዘሰክመካ ሽልማት’ዩ። ብዝያዳ ክሰርሕ ከምዘለኒ ኣርእዩኒ’ሎ” ክትብል ነቲ ሽልማት ብምርካባ ዝተሰምዓ ስምዒት ትገልጽ።

ንሳ ትሰርሓሉ ዘላ ‘ላስት ማይል ሀልዝ’ ዝተበሃለ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ላይቤሪያ፣ ኡጋንዳን ማላዊን እውን ይነጥፍ’ዩ። ካብዘን ሃገራት ሕጹያት ዝቐረባ ኮይነን ኣብ መወዳእታት ዝተሓረየት ግን ዶክተር ሩት ነይራ።

ናብዚ ኣፍልጦ ክትበቅዕ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዘድሃበ ስልጠና ብኣፕሊኬሽን (መተግበሪ) ዝተሓገዘ ክኸውን ብምግባራ’ዩ። ንሰብሞያ ጥዕና እውን ብኦንላይን ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ተሳቲፋ።

ነዚ ሽልማት ምርካብ ኣብቲ ስራሕ ብዝያዳ ውጽኢታዊት ክትኸውን ከምዝገብራ እትዛረብ ዶክተር ሩት፡ “ኣፍልጦ ካብ ምርካብ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ዕድላት ዝኸፍተለይ ሽልማት’ዩ። በቶም ዕድላት ከኣ ንበዓልኻ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ንማሕበረሰብ’ውን ረብሓ ኣለዎ” ክትብል ትገልጽ።

ጥዕና ደቂኣንስትዮ?

ጥዕና ደቂኣንስትዮ ክባሃል ከሎ ምስ ጥንስን ወሊድን ጥራሕ ንዝተሓሓዙ ጸገማት ጥዕና’ዩ ቆላሕታ ዝወሃብ። እንተኾነ ጸገማት ጥዕና ዘጋጥመን ኣብ እዋን ጥንስን ወሊድን ጥራሕ ኣይኮነን።

ከም ፌስቱላን ማህጸን ናብ ደገ ናይ ምውጻእ ጸገም ጥዕናን እውን ቆላሕታ ክረኽቡ ከምዘለዎም ዶክተር ሩት ትሕብር። ብተወሳኺ ድማ መንሸሮ ጡብ፣ ማህጸንን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕማማትን ብሰፊሑ ክስርሓሎም ከምዝግባእ ትገልጽ።

“ብፍላይ ኣብ ክልል ደቡብ ብስፍሓት ዘጋጥም ጸገም ማህጻን ናብ ደገ ምውጻእ’ዩ። ከበድቲ ነገራት ምስካም፣ ቆጮ [ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝዝውተር መግቢ] ክዳሎ ከሎ ኣብ ከባቢ ከብዲ ዝፈጥሮ ጽዕንቶን ብዙሓት ቆልዑት ምውላድን ዘኸትልዎ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ኣብዚኦም እውን ክስራሕ ይግባእ” ትብል።

እቲ ካልእ ጸገም ድማ ደቂኣንስትዮ ዕድሜኤን ከይኣኸለ ከሎ ሓዳር እንተገይረን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ምትእጉጓለን’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ ናብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን ዝኣትዋ ደቂኣንስትዮ ቁጽረን ውሑድ ይኸውን።

ስለዝኾነ ድማ ኣስተምህሮ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ብፍላይ ንደቂኣንስትዮ ኣትኲሩ ክወሃብን ሰብሞያ ትካላት ጥዕና ናይ ስነ-ልቦና ደገፋት ኣብ ምሃብ ግቡኦም ክፍጽሙን ዶክተር ሩት ትሕብር።

“ሕማማት መራብሒ ኣካላት ከም ነውሪ”

ዶክተር ሩት ከምእትብሎ፡ ምስ ማህጸን ወይ ምስ መራብሒ ኣካላት (ብልዕቲ) ዝተሓሓዙ ሕማማት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ከም ‘ነውሪ’ እዮም ዝቑጸሩ።

ስለዝኾነ ድማ ደቂኣንስትዮ ብዛዕባ እቶም ሕማማት ካብ ምዝራብን ናብ ትካላት ጥዕና ካብ ምኻድን ይዕቀባ። እቲ ሕማም ናብ ዝተሓላለኸ ደረጃ ምስበጽሐ፣ ቁስሊ ወይ ረኽሲ ምስፈጠረ እየን ናብ ሆስፒታል ክኸዳ ዝውስና።

ማሕበረሰብ እውን እቶም ሕማማት ‘ቁጠዐ ፈጣሪ ዘምጽኦም’ ኢሉ እዩ ዝኣምን። እዚ ዝተጋገየ ኣመለኻኽታ ተዓርዩ ደቂኣንስትዮ ብቕልጡፍ ናብ ትካላት ጥዕና ዝኸዳሉ ግንዛበ ምፍጣር ከምዘድልይ ድማ ወሲኻ ተረድእ።

ኣብ ናይ ክልላት ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት፡ ሰብሞያ ጥዕና ዘይኮኑሉ ኩነታት ከምዘሎ እትዛረብ ዶክተር ሩት “ብቕዓት ኣመራርሓ እንተሃለዎም’ኳ ሰብሞያ ጥዕና እንተዘይኮይኖም ግን ነቲ ዓውዲ ኣብ ግምት ዘየእተወ ውሳነ እዮም ዝህቡ። እዚ ድማ ንሰብ ሞያ ዘቖጥዕ’ዩ ዝኸውን” ትብል።

ስለዝኾነ ንዓውዲ ጥዕና ዝምልከቱ ውሳነታት ኣብ ዝውሰኑሉ ኮነ በጀት ኣብ ዝ እዋን ኣብ ዓውዲ ሕክምና ፍልጠት ዘለዎም ሰብሞያ ክካተቱ ምግባር ከምዘድልይ ትሕብር።

መግለጺ ቪድዮ, ኢትዮጵያዊት ዲዛይነር ኮኸብ ዘመድ