ኣብ ኢጣልያ ዝተቐትለት ኣብነታዊት ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ኣጊቱ ጉዴታ መን እያ ነይራ?

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Embasy in Rome
ዕለተ ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊት ክፋል ኢጣልያ ዞባ ትሬንቲኖ፡ ቅትለት ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ተሓላቒት መሰላት ስደተኛታት ኣጊቱ ጉዴታ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኮነ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያውያን እታ ግዛአት ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ብምርባሕ ኣጣልን ካብ ጸባ ጠሊ ኣጅቦ ብምድላውን እትፍለጥን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ዝኾነት እዛ ንባዕላ ስደተኛ፡ ሞታ ምስተስመዐ፡ መዘራረቢ ሚድያታት ዓለም'ውን ኮይና ኣላ።
ኣብታ ሃገር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ዘነቡ ታደሰ፡ ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ንምክትታል ናብቲ ስፍራ ከምዘምረሐት ቢቢሲ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ስደተኛ ብዝበጽሐ ጉድኣት ሓዘኑ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቲ ገበን ግቡእ ምጽራይ ክግበረሉን፡ እቲ ቅትለት ዝፈጸመ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ፍርዲ ክረክብን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኮይኑ ከምዝሰርሕ'ውን ቃል ኣትዩ ኣሎ።
ሞት ኣጊቱ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ደገ ዝነብሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን፡ ዓብዪ ሓዘን ኣስዒቡ ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓዘኖም እናገለጹ ይርከቡ።
ፖሊስ እንታይ ኢሉ?
ፖሊስ እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ኣጊቱ ጉዴታ፡ ኣብ ከተማ ትሬንቲኖ፡ ፍሉይ ስሙ ፍራሲሎንጎ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዘኣ ኣብ ርእሳ ጉድኣት በጺሑዋ እያ ሞይታ ተረኺባ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ ዝገለጸ ፖሊስ፡ እቲ ቅትለት ብማርቴሎ ዝተፈጸመ ገበን ከይኮነ ኣይተርፍን ኢሉ ነይሩ።
ኮርየር ዝተብሃለ ጋዜጣ ጣልያን ከምዝበሎ ግን፡ ኣጊቱ ዝቐተላ ጋናዊ ሰራሕተኛኣ ሱሌማን ኣዳምስ ዝበሃል ወዲ 32 ዓመት መንእሰይ እዩ።
ምኽንያት እቲ ቅትለት፡ ምስ ክፍሊት ብዝተኣሳሰር ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት ዘሎ።
ኣዛዚ ፖሊስ ግዝኣት ትሬንቲኖ ኮሎኔል ሚካኤሌ ካፑርሶ፡ "ኣብ መንጎ ኣጊቱን ሱሌማንን ጽልኢ ምንባሩ ኣይንፈልጥን። ቅድሚ ሕዚ ምስኣ ተቖጺሩ ዝሰርሕ ምንባሩ ግን ንፈልጥ ኢና" ኢሉ። '
ንሱ ወሲኹ፡ ኣጊቱ ቅድሚ 2 ወርሒ ሱሌማን ምሳኣ ሓቢሩ ንክሰርሕ ከምዝጸወዓቶ፡ ካብኡ ድማ፡ 'ናይ ሓደ ወርሒ መሃያ (ደሞዝ) ኣይተኸፈለንን' ብዝብል ዝኾነ ዘይምርድዳእ ከምዝነበሮም ሓቢሩ።
እቲ ጥርጡር፡ ብውሕዱ ሰለስተ ግዜ ብማርቴሎ ኣብ ርእሳ ከምዝወቕዓን፡ ኣብ ልዕሊኣ ጸታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ምእማኑ፡ ኮሎኔል ሚካኤሌ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣጊቱ ግን መን እያ ነይራ?
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣጊቱ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እያ ብስደት ናብ ሃገረ ኢጣልያ ኣምሪሓ።
መጀመርታ፡ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ምስ ዛዘመት፡ ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትሬንቲኖ፡ ብማሕበረሰባዊ ሳይንስ ቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቓ።
ካብኡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ፡ ንሓጺር እዋን ምስ ጸንሐት ኣብ 2010 ናብ ኢጣልያ ተመሊሳ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲታ።
ዓበይቲ ኩባንያታት ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዝነበረ ውራ መሬት ተቓዊማ ብምጽሓፋ ድማ፡ ናይ ቅትለት ምፍርራሓት ይበጽሓ ስለዝነበረ፡ በዚ ምኽንያት ንኢትዮጵያ ገዲፋ ክትስደድ ከምዝተገደደት ይዝረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣጊቱን ምርባሕ ኣጣልን
ኣብቲ ግዝኣት ሕቶ ፖሊቲካዊ ዑቕባኣ ተቐባልነት ምስረኸበ፡ ናብራኣ እትመርሐሉ መገዲ ተተኣላልሽ ነይራ።
ነዚ'ውን ኣብታ ዓዲ ዝርከባ ኣጣል ምርባሕን፡ ጸባን ኣጅቦን [ቺዝ] ምፍራይን ንዓመታት ናተይ ኢላ ሒዛቶ።
ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ብኢጣልያውያን ኮነ፡ ብካልኦት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ተፈታዊትን ፍልጥትን ኮይና ነይራ።
እቲ ሓሳብ 'ኣጣል ምርባሕ'፡ ኣብኡ ኣብ'ቲ ሃገር ምስኣተወት እዩ መጺኡላ።
እንተኾነ፡ ምስ ገለ ሚድያታት ኣብ ዝገበረቶ ቃላ መሕትት ከምዝበለቶ፡ እንስሳ ምርባሕ ኣብ ስድራአ ልሙድን ንዘመናት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እደናተሰጋገረ ዝመጽአ ልምድን ከምዝኾነ እያ ትዛረብ።
ኣብ ኣጣል ኣቶኲርካ ምስራሕ ከምዘሐጉሳ'ውን ትዛረብ ነይራ እያ።
ቅድም ክብል'ውን፡ ኣብ 'ኣርባሕቲ እንስሳታት፡ ናብ ዘላቒ ሕርሻ ምስግጋር' ኣብ ዝብል ፕሮጀክት ስለዝሰርሐት፡ እቲ ልምዲ ኣብ ምርባሕ እንስሳ ከምዝሓገዛ እያ ትዛረብ።
ኣብቲ ንሳ እትሰርሓሉ ከባቢ፡ ንብርክት ዝበሉ ኣፍሪቃውያን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጠረት ይዝረብ።
ፍቱው ኣጅቦ- ኣጊቱ ብኸመይ ጀሚራቶ?
ኣብታ ከባቢ፡ ኣብ ረብሓ ዘይወዓለ ናይ እንስሳ መራብሒ ቦታ/መሬት ምስረኸበት፡ መበቆላውያን ዓይነት ኣጣል ከተራብሕ ወሲና።
ፔታታሞኒኪና እናተብሃላ ዝጽዋዓ ዓይነት ዓሌታት ኣጣል፡ ኣብ ምጽናት ዝነበራ ኮይነን፡ ብቑጽሪ ብ15 እያ ጀሚራቶ እቲ ስራሕ።
ደሓር ግን፡ ቁጽረን ናብ 180 ክብ ምስበለ፡ ብፍርያት ጸባን ውጽኢቱን ናይተን ኣጣል ተፈላጥነት ኣትሪፋ።

ምንጪ ስእሊ, Agitu Idea Gudeta
እተን ንምርባሕ ዝመረጸተን ኣጣል፡ መበቆለን ናይቲ እትነብረሉ ከባቢ ብምዃነን፡ ከም ዝመረጸትን ተዛሪባ ነይራ።
ኣብቲ ናይ ምርባሕ ኣጣል ኮነ፡ ኣብ ምፍራይ ጸባን ኣጅቦን እትቆጽሮም ሸቃሎ፡ ናይ ስራሕ ዕድል ዝሰኣኑ ከም ዝኾኑ እዩ ዝዝረብ።
እዚ ካብ ጸባ ኣጣል ዝስራሕ ኣጅቦ፤ ብኸመይ ከምዝስራሕ ተሞክሮ ንምቕሳም ሰባት ናብኣ ይኸዱ ነይሮም።
ንሳ ድማ፡ እዚ እትፈትዎ ሞያ፡ ንካልኦት ንክተምህር ድሕር ዘይትብል እያ ነይራ።
እቲ ሞያ ኣብሊጻ ንምዕባይ፡ ብፍርያት ኣጅቦ ኣጣል ናብ እትፍለጥ ፈረንሳዊት ዓዲ ከይዳ ድማ ልምዲ ቀሲማ መጺኣ እያ።
ኣስታት 15 ዓይነታት ኣጅቦ፡ ንዓማዊላ ተቕርብ ምንባራ ይግለጽ። ብስራሓ ዝተፈላለዩ ሽልማት ከምዝረኽበት'ውን ይዝረብ።
ኣብ ኤክስፖ ሚላን፡ ንሳ ካብ እትነብረሉ ግዝኣት ኣጅቦ ወኪሉ ዝመጽአ ናታ ፍርያት እዩ ነይሩ።
ቅድሚኣ ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈረ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን ምባል ይከኣል።
ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኮነ ንስደተኛታት ንዓመታት ፍርያታ ኣቕሪባትሎም እያ። ከምኡ'ውን፡ ካብ ጸባ ኣጣል ዝስራሕ ተፈጥሮኣዊ መመላኽዒ ተፍሪ ነይራ።
ንበጻሕቲ ዓዲ'ውን፡ መጓሰ ኣጣል ክብጽሑ ትገብር ነይራ ይበሃል።
ፈተናታት ዓሌታዊነትኣጊቱ
ኣብታ ንዓመታት ዝነበረትላ፡ እንባታት ዝበዝሓን ምስ ጀርመን እትዳወብን ግዝኣት ትሬንቶ፡ ኣብ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታት የጋጥምዋ ከም ዝነበሩ ንፖሊስ ኣፍሊጣ ነይራ ተባሂሉ።
ገለገሊኦም፡ ካብ ሕብሪ ቆርበታ ተበጊሶም፡ " 'ክፍእቲ ጸላም' እናበሉ ይጸርፉኒ ነይሮም፤ እቲ ዝነብረሉ ዓደይ ከም ዘይኮነ'ውን ይነግሩኒ ነይሮም" ብማለት ብግልጺ፡ ዘጓንፍዋ ዝነበሩ ዓሌታዊ መጥቃዕቲታት ተቃልዕ ነይራ።
እቲ ምሳኣ ዝሰርሕ ዝነበረ ጥርጡር ስደተኛ መንእሰይ ካብቶም ቅድሚ ሕዚ ዘፈራርሕዋ ዝነበሩ ሰባት ከምዘይኮነ፡ እንተኾነ፡ ምስ ገንዘብ ተዛሚዱ ዘይምርድዳእ ከምዝነበሮም እዩ ዝግመት።
ፕረዚደንት እታ ግዝኣት፡ ኡጎ ሮሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣጊቱ ዘጓንፍ ዝነበረ 'ዓሌታዊነት' ተቓዊሙ ኣብ ጎና ጠጠው ኢሉ ከምዝነበረ'ውን ተጸብጺቡ።
"ኣጊቱ ስደተኛ ኮይና፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣትና እንስሳታት ኣብ ምርባሕ ምንጣፋ፡ ተቐባልነት ንጋሻ ደጋፊነትን ህዝቢ ትሬንቲኖ እዩ ዘመላኽት" እውን ኢሉ ነይሩ።
ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ናብ ኢጣልያ ዝኣተወት ኣጊቱ ጉዴታ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓደ ጥሪ: ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2021፡ 43 ዓመታ ክትመልእ ነይሩዋ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







