ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2022: ሃገራውያን ጋንታታት ተጻወቲ ብምምራጽ ምድላዋተን ጀሚረን

ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ 9 ጥሪ 2022 ዝጅምር ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታት ምድላዋተን ጀሚረን ኣለዋ።

እቲ ንመበል 33 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኣብ ሃገረ ካሜሩን ዝካየድ ኮይኑ፡ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ድሕሪ ምቕጻል ብ6 ለካቲት ክዛዘም'ዩ።

ዛጊት ገለ ሃገራት፡ ኣባላት ጋንትአን ክመርጻ እንከለዋ፡ ንለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ 28 ተጻወቲ ክትመርጽ ተፈቒዱ'ሎ።

ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ዝበቕዓ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ኣልጀርያ፡ ቡርኲና-ፋሶ፡ ካሜሩን፡ ኬቭ-ቨርደ፡ ኮሞሮስ፡ ግብጺ፡ ኢኳቶሪያል ጒኒ፡ ጋቦን፡ ጋምቢያ፡ ጋና፡ ጊኒ፡ ጊኒ-ቢሳው፡ ኣይቮሪ-ኮስት (ኮትዲቯር)፡ ማላዊ፡ ማሊ፡ ማውሪታንያ፡ ሞሮኮ፡ ናይጀርያ፡ ሰኔጋል፡ ሴራልዮን፡ ሱዳን፡ ቱኒዝያን ዚምባብው እየን።

እታ ኣብ 2019 ቻምፕዮን ብምዃን ዋንጫ ዝዓተረት ኣልጀርያ ድሮ ተጻወታ ብምሕራይ ምድላዋታ ጀሚራ'ላ።

ኣልጀርያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ውድድር ሃገራት ዓረብ ዋንጫ ምዕታራ: ዓቢ ሞራል ከይኮና ከምዘይተርፍ ይግመት።

ኢትዮጵያ፡ ካሜሩን፡ ኬፕ-ቨርደ፡ ኮሞሮስ፡ ጋምብያ፡ ጒኒ፡ ኣይቮሪ-ኮስት፡ ሞሮኮን ሰኔጋልን'ውን ተጻወተን መሪጸን ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ሓለውቲ ልዳት፤ ተክለማርያም ሻንቆ፡ ፋሲል ገብረሚካኤልን ጀማል ጣሰውን፡ ተኸላኸልቲ ድማ፡ ኣስራት ቱንጆ፡ ሱሌማን መሚድ፡ ሮሞዳን ዮሱፍ፡ ደስታ ዮሃንስ፡ ኣስቻለው ታመነ፡ ያረድ ባየህ፡ ሚግኖት ደበበን ሜናፍ ኣዎልን ተመሪጾም ኣለዉ።

ኣብ ማእከል ድማ፡ ኣማኑኤል ዮሃንስ፡ ጋቶች ፓኖም፡ ሽመልስ በቀለ፡ መስዑድ መሓመድ፡ ፍጹም ኣለሙ፡ ፍሬው ሶሎሞንንን በዛብህ መለዮውን ክኾኑ ተሓርዮም ኣለዉ።

ኣቡበከር ናስር፡ ጌታነህ ከበደ ኣማኑኤል ገብረሚካኤል፡ ሸመከት ጉግሳ፡ ሙጂብ ቃሲም፡ መስፍን ታፈሰን ዳዋ ሆቴሳን ኣጥቃዕቲ ጋንታ ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣለዉ።

እቲ ድሕሪ ብዙሕ ምድንጓያት ዝካድ ዘሎ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክለባት ኣውሮጳ ብዝለዓለ ደረጃ ዝጥመቱ ፍሩያት ኣፍሪቃውያን ተጻወቲ ክእለቶም ዘርእይሉ ኮይኑ፡ ሓደስቲ'ውን ኣብ ዓይኒ ደላሎ ኩዕሶ እግሪ ዝኣትውሉ ኣጋጣሚ'ዩ።

ብፍላይ ኣብ ከም ፕሪሜርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከባ ክለባት፡ ኣብ ርሱን ጸወታታት ኣብ ዝርከባሉ ዘለዋ እዋን እቲ ውድድር ይካየድ ምህላዉ፡ ተጻወቶም ክስእኑ ባህ ዘይብሎም ኣሰልጠንቲ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ፍሉጥ ተጻዋታይ ኣርሰናል ነበርን ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ክሪስታል ፓላስ ዝኾነ ፈረንሳዊ ፓትሪክ ቬራ ግን፡ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ "ክኽበር" ኣለዎ በሃላይ'ዩ- ዋላ'ኳ ከም ኣይቮሪኮስታዊ ዊልፍረድ ዛሃን ጋናዊ ጆርዳን ኣዩን ዝበሉ ቀንዲ ተጻወቱ ዝስእን እንተኾነ።

"[ኣፍሪቃውያን] ተጻወቲ ንሃገሮም ክውክሉ ዝህቦም ሓበንን ዘለዎ ኣገዳስነትን ይርዳኣኒ'ዩ። ስለዚ ዝኾነ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሳተፍ ዝደሊ ተጻዋታይ ኣይክዓግቶን'የ" ኢሉ።