እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ድሕሪ 7 ዓመት ናብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓሊፋ
ኢትዮጵያ፡ ናብቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ።
እታ ሃገር ድሕሪ 8 ዓመታት'ያ ናብቲ ውድድር ክትሓልፍ ኪኢላ ዘላ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘላቶ ምድብ ዝርከባ ኒጀርን ማዳጋስካርን ኣብ ዝነበረን ናይ መወዳእታ ግጥም ማዕረ ድሕሪ ምውጽአን'ያ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ።
ሎሚ፡ ኣብ ምድብ ከይ (K) ዝርከባ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣይቮሪኮስ፡ ማዳጋስካርን ኒጀርን ዝተረፈን ግጥማት ወዲአን ኣለዋ።
ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ምስ ኣይቮሪኮስትን ዘካየደቶ ግጥም፡ 3 ብ 1 ብኣይቮሪኮስት እናተመርሐ እንከላ ማእከል ዳኛ ብምሕማሙ እቲ ግጥም ከምዝተቛረጸ ተፈሊጡ።
እተን ዝተረፋ ጋንታታት ማዕረ ድሕሪ ምውጽአን ግን ኢትዮጵያ ናብቲ ውድድር ከምዝሓለፈት ተረጋጊጹ።
እታ 7 ነጥቢ ዝነበራ ማዳጋስካር፡ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ንክትሓልፍ፡ ንኒጀር ብምስዓር፡ ነታ 9 ነጥብታት ዘዋህለለት ኢትዮጵያ ክትሓልፋ'ዩ ትጽቢታ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነታ 'ዋልያ' ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህባ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብቲ ውድድር ብምሕላፋ፡ ሓጎሱ ገሊጹ'ሎ።
"ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ብምሕላፋ፡ ዓቢ ሓጎስ ተሰሚዑኒ'ሎ። ብስራሕ ዘይመጽእ ለውጢ የለን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ካሜሩን ክካየድ'ዩ።
ክሳብ ሕጂ፡ ብዘይካ ኢትዮጵያ፡ ጊኒ፡ ኣልጀርያ፡ ዚምባብወ፡ ሰኔጋል፡ ቱኒዝያ፡ ማሊ፡ ግብጺ፡ ኮሞሮስ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ማላዊ፡ ጋና፡ ሱዳን፡ ጋምቢያ፡ ሞሮኮን ጋቦንን ምሕላፈን ተረጋጊጹ ኣሎ።