ግብጺ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዓተረታ ዋንጫ "ተሰዊራ'

ግብጺ፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2010 ዝጨበጠታ ዋንጫ ከምዝተሰወረት ገሊጻ።

ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግብጺ ኣብ ዘካይዶ መርመራታት፡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ዋና-ቤት ጽሕፈቱ ብርክት ዝበላ ካልኦት ዋንጫታት'ውን ተሰዊረን ከምዘለዋ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

ግብጺ፡ ኣብ 2010 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ንሳልሳይ ግዜ ድሕሪ ምዕዋታ'ዩ ነታ ዋንጫ ወኒናታ።

ግብጺ ኣብ 2006, 2008 ከምኡ'ውን 2010 ኣብ ዝግበረቶ ኣህጉራዊ ውድድራት ብተኸታታሊ ምስ ተዓወተት ቅዳሕ እታ ፍሉይ ቅዲ ዘለዋ ዋንጫ ክትዕቕብ ክኢላ።

ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግብጺ፡ እታ ዋንጫ ተሰዊራ ከምዘላ ምስ ኣረጋገጸ ትማሊ ዓርቢ መርመራታት ክካየድ ወሲኑ።

ቀንዲ ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግብጺ ኣብ 2013 ብናዕበኛታት መጥቃዕቲ በጺሕዎ ከምዝነበረን፡ እተን ወናጩ ድማ ኣብ ሓደ መኽዘን ከምዝተወስዳን ይግለጽ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ሃገራዊ ፌደረሽን ቤት-ጽሕፈቱ ከመዓራርዮ ድሕሪ ምውሳኑ፡ እታ ዋንጫ ከምዘየላ ፈሊጡ።

ኣብ 2013፡ እቲ ቤት-ጽሕፈት በቶም ኣብ ካይሮ ሓያል ናዕቢ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ዝተዘመተ ኮይኑ፡ እቶም መርመርቲ እተን ወናጩ ኣብቲ እዋን ድየን ተወሲደን ኣብ ዝብል ምጽራያት ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ብተኸታታሊ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ጋና እያ። ቀጺሉ ድማ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ዝዓተረት ሃገር ኮይና ትርከብ።

ኣብዚ እዋን፡ ከምታ ሃገራዊ ጋንታ ግብጺ ዝዓተረታ ትመሳሰል ዋንጫ ኣብ ኢድ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ እያ ዘላ።