እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕጫ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣልጀርያ ምስ ኣይቮሪኮስት ተመዲባ
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንሓደ ዓመት ዝተሰሓበ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ሽሙ ከይቐየረ [ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2021] ካብ 9 ጥሪ ክሳብ 6 ለካቲት 2022 ኣብ ካሜሮን ክካየድ እዩ።
እተን ንውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓለፋ 24 ሃገራት ምድበን ንምፍላጥ ዕጫ ወዲቕለን ኣሎ።
ዕውትቲ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣልጀርያ ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ምስ ሃገራት ኣይቮሪኮስት፡ ሴራልዮንን ኢኳተርያል ጊንን በጺሕዋ ኣሎ።
ኣብቲ እዋን ምውዳቕ ዕጫን ምድልዳል ምድብን ፕረዚደንት ካፍ ፓትሪስ ሞሴፐ፡ ካሜሪናዊ ገዲም ተጻዋቲ ሮጀል ሚላ፡ ኣይቮርያዊ ዲደር ድሮግባ፡ ሴኔጋላዊ ኣልሓጂ ድዩፍን ካሜሮናዊ ሳሚኤል ኢቶን ተረኪቦም ነይሮም።
ኣብ ምድብ ሓደ ዝበጽሓ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ካሜሮን፤ ቡርኪናፋሶን ኬፕቨርደን ተመዲባ ኣላ።
ምድብ ክልተ፡ ሰኔጋል፡ ዚምባብወ፡ ጊኒን ማላውን
ምድብ ሰለስተ፡ ሞሮኮ፡ ጋና፡ ኮሞሮስን ጋቦንን
መድብ ኣርባዕተ፡ ናይጀርያ፤ ግብጺ፡ ሱዳንን ጊኒ ቢሳውን
ምድብ ሓሙሽተ፡ ኣልጀርያ፡ ሲራልዮን፡ ኢኳተርያል ጊኒን ኣይቮሪኮስትን
ምድብ ሽዱሽተ፡ ቱኒዝያ፡ ማሊ፡ ሞሪታንያን ጋምብያን