ሩስያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዕራብ ንምቁጽጻር እትፍተነሉ መገዲ

መንግስቲ ሩስያ ነቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ትሕዝቶታት ንዘይኣለዩ ኩባንያታት ጉግልን ሜታን፡ ሚልዮናት ዶላር ክቐጽዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ሰነዳት ቤት ፍርዲ ግን እቶም ጽሑፋት መንግስቲ ንዝኣሰሮ መራሒ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫንሊ ደጊፎም ዝተለጠፉ ምዃኖም'ዮም ዘርእዩ።

ኣብ 2018 ሓደ ሩሲያዊ ገጣሚ ናይ ላግጺ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ለጢፉ። እቲ ስእሊ ክልተ ርእሲ ዘለዎ ምስሊ ንስሪ ኮይኑ፡ ገጻት እቲ ንስሪ ብናይ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ቐዳማይ ሚኒስትር ነበር ዲመትሪ መድቨደቭን ዝተተክአ እዩ።

ነዚ ንስሪ ካብቶም ካልኦት: ክልተ ዕጽፊ ስሱዕ፣ ክልተ ዕጽፊ ዝሕሱን ብኣርባዕተ ኣዒንቲ ዝስልልን እዩ ብዝብል ሓጺር ግጥሚ ከሰንዮ እንከሎ ኣብ መወዳእታ "ሩሲያውያን ነዚ ተመሓላላፊ ሕማም ንምውጋድ መዓዝ'ዮም ክነቕሑ?" ኢሉ።

መንግስቲ ሩሲያ፡ እዚ ጽሑፍ "ክብሪ መንግስቲ፣ ሕገ መንግስትን ፕሬዝደንትን ዝትንክፍ'ዩ" ብምባል ፌስቡክ ነዚ ጽሑፍ ክኣልዮ ሓቲቱ።

ፌስቡክ ግን ኣይተቐበሎን። እዚ ጽሑፍ ድማ ሓደ ካብቶም ሩሲያ ኣብዚ ዓመት ኣንጻር ማሕበራዊ ሚዲያ ምዕራብ ዝኸፈተቶም ልዕሊ 60 ክስታት ኮይኑ፡ እዚኦም ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዶላር መቕጻዕቲ ኣስዒቦም።

ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣክል ተኸፊሉ ዝብል ግን ግልጺ ኣይኮነን። እንተኾነ እዚ ኣብታ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ምዝራብን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ዝገደበት ሃገር ክትንቀሳቐስ ኣጸጋሚ ምዃኑ የርእዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መንግስቲ: እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝርከብ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝምራሕ ፋውንዴሽን ጸረ ብልሽውና ምስ ጣሊባንን እስላማዊ ጉጅለን ርክብ ዘሎዎ "ጥሩፍ" ትካል እዩ ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ።

ሓላፊ ቑጽጽር ሚዲያ [ሮስኮምንዳዞር] ኣንድሪ ሊፖቭ፡ ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያ "ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ነገራት" ርእዮም ከወግዱ ግዴታ ኣለዎም ኢሉ።

ንሱ ምስ ጋዜጣ ኮሜርሳንት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ስጉምቲ ክወስዱሎም ኣለዎም ዝበሎም ነገራት "ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ፣ ርእሰ ቕትለት፣ መዐወኒ ሓሽሽ፣ ሕሉፋዊ ኣተሓሳስባን ስኑዕ ዜናን" ክብል ጠቒሱዎም እዩ።

ይኹን'ምበር ካብቶም ኣብ ልዕሊ 600 ልጣፋት ኣመልኪቶም ኣብ ልዕሊ ጉግል፣ ፌስቡክ፣ ኢንስተግራምን ትዊተርን ዝቐረቡ ክስታት፡ እቶም ትሸዓተ ምስ ብኢነተርነት ዝፍጸም ግህሰት ህጻናት ወይ ሓበሬታታት መዐወኒ እጽ ዝተሓሓዙ ኮይኖም 12 ጥራይ ድማ ምስ ርእሰ ቅትለት ይምልከቱ።

እቶም ዝበዝሑ: ሰባት ናብቶም ንናቫልኒ ደጊፎም ዝካየዱ ሰልፍታት ክጽንበሩ ይጽውዑ።

"ትካል ቑጽጽር ሚዲያ ኮነ ክረምሊን: ሩሲያ ፖለቲካዊ ምመያ ኣለዋ ክብሉ ኣይደልዩን" ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ሳርኪስ ዳርቢኒያን።

ነቲ ሓለዋ ህጻናት ኣመልኪቶም ዝወሃቡ ወግዓዊ መግለጺታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ ድማ "እዚ ቓልሲ ንምንታይ ከም ዘድሊ ነቲ ተራ ህዝቢ ንምርዳእ ንብዓት ህጻን'ዮም ዝብለጹ" ኢሉ።

ሮስኮምንዳዞር ርኢይቶ ክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን። ወሃቢ ቃል ፕሬዝደንት ፑቲን ግን ቅድም ኢሉ እቶም ኣንጻር ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውሰዱ ስጉምታት ምመያ ዘይኮኑ ምኽባር ሕጊ ሩሲያ'ዮም ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።

ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝግበር ጸቕጢ ካብ 2015 ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ሩሲያውያን ተጠቀምቲ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ግዝኣት ሩሲያ ከቐምጡ ዘገድድ ሕጊ ተግባራዊ ምስ ኮነን መንግስቲ ነዚ ንዘየተግብሩ ትካላት ክቐጽዕ ወይ ክዓጽዎ ስልጣን ከም ዘለዎ ደንጊጋ።

እተን ትካላት ምዕራብ ነዚ ብዘይምቅዋመን ኣብ 2016 ሊንክድኢን ከም ዝዕጾ ጌሩ እዩ።

ጉግል፣ ሜታን ትዊተርን ድማ ካብ መጀመርታ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ 600 ሽሕ ዶላር ተቐጺዖም።

ኣብ 2016፡ መንግስቲ ሩሲያ ጉግል ብብዝሒ ሰባት ዝርእዩዎም ዝነበሩ ቪድዮታት ካብ ዩትዩብ ንክኣልን ንገሊኦም ክኣ ክዓጽዎም ሓቲቱ ነይሩ።

ጸብጻብ ጉግል ከም ዘመልክቶ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝተፈለየ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 10 ዓመታት ካብ መንግስቲ ሩሲያ ተመሳሰልቲ ጠለባት ቐሪቦምሉ'ዮም። እቲ ዝበዝሕ "ምስ ሃገራዊ ድሕነት" ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይገልጽ።

ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኩባኒያታት ምዕራብ ጉግል'ውን ገለ እቶም ሩሲያ እተቕርቦም ሕቶታት ይቕበል'ዩ።

ኣብ መጀመርታ 2021 ግን፡ እቶም መንግስቲ ዘይደልዮም ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ከይዝርግሑ ዝግበር ክትትል ወሲኹ።

እዚ ብፍላይ ኣሌክሲ ናቫልኒ ካብ ሆስፒታል ጀርመን ናብ ሩሲያ ምስ ተመልሰ ጎሊሑ ተራእዩ።

እቲ ፍሉጥ መራሒ ተቓዋሚ ኖቪቾክ ብዝተባህለ ባእታ ምስ ተሰመመ እዩ ናብቲ ሆስፒታል ኣትዩ፡፡

ናቫልኒ፡ ኣብ ሞስኮ ከተማታት ፒተርስበርግን ካልኦትን ብሰብ መዚ ፍቓድ ዘይተዋህቦ ሰልፊ ተቓውሞ መሪሑ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓለ ይዝከር። እዞም ሰልፍታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ተዘሪቡሎም'ዩ።

እዚ ካብ ሮስኮምናዳዞር ተቓውሞ ስለ ዘልኣለ እቶም ልጣፋት ካብቲ ኣብታ ሃገር ፍሉጥ ዝኾነ ማሕበራዊ ምትእስሳር 'ቪኮንታክት' [VK.com] ቐልጢፎም ክእለዩ ተገይሩ።

እዚ ኣብ ክለብ ኣርሰናል ወናኒ ብርኪ ዝነበረ ኦሊጋርች ኣሊሸር ስማኖቭ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ እዩ።

እተን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዕራብ ግን ከምኡ ንምግባር ተገዛእቲ ብዘይምዃነን ሮስኮምናዶዛር ናብ ቤት ፍርዲ ክኸሰን ጀሚሩ።

ቐጺሉ ክኣ ትዊተር እቶም ጽሑፋትን ካልኦትን ኣየጥፍእን ብምባሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ትዊተር ዝነበረ ትራፊክ ወይ ዋሕዚ ክዝሕል ገይሩ። ስእሊን ቪድዮን ድማ ንክኽፈቱ እቶም ዝድንጉዩ ኮኑ።

ጸኒሑ ድማ፡ ደገፍቲ ናቫልኒ ኣብ ሓደ ነቑጣ ምርጫ ድጋፎም ንምትሕብባርን ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ሩሲያ ንምስዓር ዘኽእሉ ዕድላት ንምዕባይን ዝዓለመ "smart-voting" ዝተባህለ መተግበሪ ክኣልዩዎ ንጉግልን ኣፕልን ኣእሚኑዎም።

ሓላፊ ጉጅለ ናቫልኒ: ኢቫን ዝህዳኖቭ "ዘሕፍር ተግባር ፖለቲካዊ ምመያ" ብምባል ነቶም ኩባኒያታት ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ይኹንን።

ድሒሩ ካብ ኣፕል ንዝተጽሓፈ ዓቀብቲ ሕጊ: እቲ መተገብሪ "ኣብ መረጻ ዘይሕጋዊ ኢድ ኣእታውነት" ክህሉ ይገብር ኣሎ ዝብል ክሲ ከም ዘቕረቡ ዝገልጽ ደብዳበ ኣብ ትዊተር ለጢፉ።

እቲ ተቖጻጻሪ ሚዲያ ሮስኮምንዳዞር ድማ እቲ ኩባኒያ "ንሕሉፋት" የተባብዕ ኣሎ ክብል ከም ዘጠንቀቖ ጠቒሱ።

ቢቢሲ፡ ንጉግል፣ ኣፕል፣ ሜታን ትዊተርን ንቃለ መጠይቕ ሓቲቱዎም እኳ እንተነበረ ርኢይቶኦም ንምሃብ ፍቓደኛታት ከይኮኑ ተሪፎም።

ሮስኮምንዳዞር ንመተገግበሪ ናቫልኒ ሓዊሱ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተለጠፉ ጽሑፋት ክእለዩ ኣብ ምግባር ከም ዝተዓወተ ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ትዊተር 91 ሚኢታዊት ናይቶም 5,900 ዘሰክፉ ትዊታት ከም ዝኣለየ ብምግላጽ ከኣ ነቲ ትሕዝቶታት ትዊተር ኣብታ ሃገር ንምኽፋት ዝግበር ምዝሓል ብኸፊል ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ።

ይኹን'ምበር እቶም ክጠፍኡ ዝተገብሩ ናይ ትዊተር ጽሑፋት ካብ ገጽ ሩሲያውያን ተጠቀምቲ እምበር ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለው ሕጂ'ውን ይርእዩዎ'ዮም።

ሓደ ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ጽሑፋት ኣሌክሲ ዝተባህለ መንእሰይ ነጣፊ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ምብራቕ ሞስኮ ከተማ ቮልጋ ንናቫልኒ ዝድግፍ ሰልፊ ምውዳቡ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ ዝብል እዩ።

ሰብ መዚ እታ ከተማ ፍቓድ ስለ ዘይሃቡ ዝጥቀሞም ቃላት ተጠንቂቑ ብምምራጽ እቲ ቦታ "ክትኸድሉ ዘይግባእ" ዝብል ጽሒፉ'ዩ ሪትዊት ገይሩ።

ወሲኹ "ፑቲን ናብኡ ክትኸዱ ስለ ዘይደሊ፡ ኣይትኺዱ!" ይብል።

እንተኾነ እዚ ሮስኮምናድዞር ንትዊተር ናብ ቤት ፍርዲ ካብ ምውሳድ ኣየድሓኖን ትዊተር'ውን ነቲ ትሕዝቶ ብቕልጡፍ ኣልይዎ።።

ሕጂ እቲ ልጥፎ ንሩስያውያን ተጠቀምቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ብዘተጽሓፈ "ብሕጋዊ ጠለብ ኣብ ሩስያ ከምዝእለይ ተጌሩ ኣሎ" ዝብል መልእኽቲ ተተኪኡ ይርከብ።

ኣብ ካልእ ዓለም ግን ከምቲ መጀመርታ ዝነበሮ ኮይኑ ይንበብ።

ኣሌክሲ ግን ቢቢሲ ክሳዕ ዘዘራርቦ እቲ ኣብ ትዊተር ዝጽሓፎ ብዛዕባ ምእላዩ ሓበሬታ ኣይነበሮን። እቲ ናይ መጀመርታ ትዊት ክሳብ ሕጂ ምህላው'ውን ኣግሪሙሉ'ዩ።

ብኣንጻሩ ኣሌክሳንደር ዝተባህለ ፖለቲከኛ ከተማ ኮስትሮማ ሰሜን ምዕራብ ሞስኮ ብዛዕባ ሰልፊ ናቫልኒ ዝጽሓፎ ከም ዝተኣልየ መልእክቲ በጺሑዎ።

ኣብ ቪኬ.ኮም ዘስፈሮ ተመሳሳሊ ጽሑፍ'ውን ጠፊኡ። ፌስቡክ ግን ሰብ መዚ ብዛዕባ እቲ ዝጽሓፎ ጥርዓን ከም ዘቕረቡ ነጊሩዎ፤ ነቲ ጽሑፍ ግን ኣየጥፍኦን።

ሜታ ኢንስታግራምን ግና ገለ ከምዚኦም ዝበሉ ትሕዝቶታት ይኣልዩ እዮም።

ኣብ መጀመርታ መፋርቕ 2021 መንግስቲ ሩሲያ ብዘቕረቦ ጠለብ 1,800 ትሕዝቶታት ካብ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ጠፊኦም እዮም።

እቲ ኩባኒያ ፍርቂ ናይዞም ጽሑፋት "ምስ ጥሩፍነት ዝተሓሓዙ" ኢሉ ከም ዝመደቦም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ክንደይ ግዜ ካብ መንግስቲ ዝመጽኣሉ ጥርዓን ነጺጉ ዝብል ግን ኣየርእን።

ጸብጻብ ጉግል'ውን ካብ ሰብ መዚ ድሕሪ ዝቐርበሉ ተቓውሞታት ጽሑፋት ወይ ናይ ዩትዩብ ቪድዮታት ከም ዘጥፈአ ይሕብሩ።

ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2021: 8 ሚኢታዊት ክነጽግ እንከሎ ኣብ 2019 ኣብ ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን 50 ሚኢታዊት ዝቐረብሉ ቅርታታት ተቐቢሉ ኣተኣናጊዱ እዩ።

'ልኡላዊ ኢንተርነት'

  • ወዲ 42 ዓመት ኣንድሪ ሊፖቭ ሓላፊ ሮስኮምናድዞር ኮይኑ፡ ሓደ ካብቶም ኢንተርነት ሩሲያ ካብቲ ዓለማዊ ኢንተርነት ናጻ ክኸውንን ብደገ ካብ ምዕጻው ንምክልኻልን ፖሊሲ "ሉኡላዊ ኢንተርነት" ዝጽሓፉ እዩ
  • እዚ ብ2019 ዝተዳለወ ፖሊሲ ኮይኑ ኣብ 2021 ንዘጋጠመ ምዝሓል ትዊተር ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ መሳርሒ እዩ

ሩሲያ ምንቅስቓስ ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያ ንምዕጻው ዘኽእል ቴክኒካዊ ኣሰራርሓ ክህልዋ እንከሎ ውልቃዊ መረዳእታ ሩሲያውያን ተጠቀምቲ ኣብ ሩሲያ ክኸውን ብዘይምግባሮም ወይ'ውን ጎዳኢ ትሕዝቶ ኣለዎም ዝበለቶም ጽሑፋት ብዘይምጥፍኦም ክዕጸው ትገብር።

ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ድማ ኣብታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ኣይከፈትኩምን ብዝብል ክትዓጽዎም ትኽእል'ያ።

ኣብዚ እዋን ዩትዩብ ኣብ ጀርመን ብዝርከብ ብመንግስቲ ሩስያ ዝምወል ማእከን ዜና 'ራሻ ቱደይ' ንዝውነን ገጽ ብምዕጻው ክረምሊን ንዩትዩብ ናይ ምዕጻው መጠንቀቕታ ዘርጊሑ ኣሎ።

ይኹን'ምበር ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት [2021] ዘይሕጋዊ ትሕዝቶታት ብዘይምእላይ ንዝብል ከበድቲ መቕጻዕታት ኣተኣታትያ ኣላ።

ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ሓላፊ ሮስኮምናድዞር ዝነበረ ውልቀሰብ እዞም መቕጻዕታት ሰብ መዚ ሩሲያ ንኩባኒያታት ምዕራብ ኣብ ዘሕሞም ክድስቑዎ ዘኽእሉ'ዮም፤ ክገብሩዎ ድማ እዮም ኢሉ።