ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘለዓዕሉ 'መልእኽታት' ጠጠው ብዘይምባል ተነቒፉ

ሚስጢራት ፌስቡክ ዘቃልዐት ሰራሕተኛ እቲ ኩባኒያ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃገን፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርግሐ ዝንቡዕ ሓበሬታን ጎንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን ጠጠው ከም ዘይበለ ተዛሪባ።

ንኮሚቴ ሓገግቲ ኣመሪካ ቃላ ዝሃበት ፍራንሲስ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን ብዝተልዓሉ ጎንጺታት ብፌስቡክ ዝተወዝዑ ሓበሬታታትን ምትእስሳር ተረኺቡ'ዩ ኢላ።

"ስጉምቲ ዘይወስድ እንተኾይኑ ሕዚ እንርእዮም ዘለና ጸግዒ ዝሓዙ ተግባራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሑ ይሰግእ። ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን እንርእዮም ዘለና ነገራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበጽሑን መጀመሪ ዘስግእ ምዕራፍ ታሪኽን'ዮም" ብምባል ገሊጻ።

ፌስቡክ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት፣ ጎንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታት ቪድዮን ናይ ጽልኣት ዘረባታትን ጠጠው ከብል ከም ዘይክኣለ'ያ ትገልጽ።

ብ2018 ፌስቡክ ኣብ ሚያንማር ምስ ዝተላዕለ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ንከይውዝዑ ኣብ ምግባር ክፍተት ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ'ዩ።

ድሕሪኡ ናይ ጽልኣት ዘረባታትን ጎንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን ንምዕጋት ከም ዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር።

ማኔጀር ምህርታት ፌስቡክ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃገን ግን ሕጂ'ውን ነቲ ኩባኒያ ትነቅፍ።

ንሳ፡ ከም ፌስቡክ ዝበሉ ትካላት ኣብቲ መጥቀሚ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሳልሳይ ወገን ዝጥቅዑ መልእኽታት ሓለፍነት ንከይወስዱ ዝኽልክሎም ሕጊ ዓንቀጽ 230 ንክልወጥን ፌስቡክ ነቶም ዝጥቅዑ መልእኽታት ሓላፍነት ንክወስድን ሓቲታ።

በዚ መሰረት ዝርግሐ ግጉይ ሓበሬታታት ምዕጋት ከም ዝክኣልን ሓሓሊፉ ዝለዓሉ ጎንጺታት ንምክልኻል ከም ዝሕግዝን ተዛሪባ።

ፌስቡክ መራሕቲ ጉጅለታት ምልክን ሽበራን ኣብ ጥቕሚ የውዕሉዎ ከም ዘለው ዝገለጸት ፍራንሲስ፡ "ከምዚኦም ዝበሉ መልእኽታት ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ብብሄር ዝተኸፋፈላ ሃገራት ጎንጺ የልዕሉ ኣለው" ክትብል ኣብሪሃ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብቲ መተግበሪ ዝጥቅዑ መልእኽታት ጥዑያት ንክኾኑ ኣተሓሳሲባ።

ፌስቡክ ጎንጺ ዘልዕሉ መልእኽታት ንምዕጋት ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ'ኳ እንተገበረ ብመንጽር እቶም ዘለው ጸገማት ግን እኹል ከም ዘይኮነን ካብ ኢንግሊዘኛ ወጻእ ብዘለው ቋንቋታት ዝጽሃፉ መልእኽታት ኣብ ምጽራይ ሰፊሕ ክፍተት ከም ዘለዎ ሓቢራ።

"ፌስቡክ፡ ተጠቀምቱ ኣብቲ ገጽ ዝጸንሕ መልእኽቲ ናብ ቅድሚት ምምጻእ ግቡእ ከም ዘይኾነ ገሊጹ'ዩ። ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ብኸምዚኦም ዝበሉ ጽሑፋት'ዩ ጎንጺ ዝለዓል ዘሎ። እቶም መልእኽታት ብትሕዝቶኦም ክዕቀኑ ይግባእ" ክትብል ኣብሪሃ።

ወሃቢ ቃል ፌስቡክ ኣንዲ ስቶን ግን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ ፍራንሲስ ኣብቲ ትካል ንኽልተ ዓመታት ከም ዝሰርሐት ብምግላጽ ብቐጥታ ናይቲ ኩባኒያ ጸብጻባት እትረኽበሉ መገዲ ኣይነበራን ኢሉ።

"ውሳነ ኣብ ዝሓልፈሎም ኣኼባታት ተሳቲፋ ኣይትፈልጥን" ብምባል ብዛዕባ እቲ ትካል ዝተዛረበቶ ነገር ከም ዘይሰማምዐሉ ሓቢሩ።