እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ፌስቡክ ህጻናት ዝጎድእን ንዴሞክራሲ ዘዳኽምን'ዩ" ክትብል ሰራሕተኛ'ቲ ኩባንያ ነቒፋ
ሰራሕተኛ ፌስቡክ ዝነበረት ፍራንስ ሁገን፡ መረባን መተግበሪታትን ኩባኒያ ፌስቡክ "ንህጻናት ዝጎድኡ፣ ምክፍፋል ዘስዕቡን ዴሞክራሲ ዘዳኽሙን"ዮም" ክትብል ንሓገግቲ ኣመሪካ ተዛሪባ።
እታ ካብ ማኔጀር ምህርታት እቲ ኩባኒያ ናብ ሚስጢራዊ ሓበሬታ ምቅላዕ ዝተቐየረት ጓል 37 ዓመት ክኢላ፡ ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ካፒቶል ሂል ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ፌስቡክ ሓያል ነቐፌታ ኣቕሪባ።
እቲ ኩባኒያ ብሰንኪ ዝቐርበሉ ተደጋጋሚ ነቐፌታ ሕግታቱ ከመሓይሽ ጻውዒት ይቐርበሉ'ዩ።
መስራቲ ማርክ ዙከርበርግ ነቲ ሕጂ ዝቐርበሉ ዘሎ ነቐፌታ "ናይ ሓሶት ምስሊ" ክብል መልሲ ሂቡሉ።
ንሱ ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ በቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውዝዑ ጎዳእቲ ትሕዝቶታት ኣብ ምቅላስን ግልጽነት ክህሉ ከምኡ'ውን እዚ ኢንዳስትሪ ዝመርሖ መርሃ ግብሪ ምርምር ንምፍጣር ጻዕሪ ንዝገብሩ ዘለው ከምዚ ዓይነት ርኢይቶ ትርጉም የብሉን ኢሉ።
ኣብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ "ንሕና ብዛዕባ ድሕነት፣ ጥዕናን ጥዕና ኣእምሮን ብዕምቆት ንግደስ ኢና። ስለ ዝኾነ ነቲ ስራሕናን ዕላማናን ዘይገልጽ ሽፋን ምርኣይ ኣጸጋሚ'ዩ" ኢሉ።
ፌስቡክ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ማሕበራዊ መራኸቢ ኮይኑ፡ እቲ ኩባኒያ ወርሓዊ 2.7 ቢሊየን ንጡፋት ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ይገልጽ።
ኣማኢት ሚሊዮናት ሰባት ድማ ከም ዋትሳፕን ኢንስተግራምን ዝበሉ ካልኦት ውጽኢታት እቲ ኩባኒያ ይጥቀሙ።
ይኹን'ምበር ሚስጢራዊነት ተጠቀምቲ ንምሕላውን ዝርግሐ ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምዕጋትን ብዙሕ ስራሕ ኣይሰርሐን ተባሂሉ ይንቀፍ።
ወይዘሪት ሁገን ብሰንበት ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ብዙሓት ውሽጣዊ ሰነዳት እቲ ኩባኒያ ንዎል ስትሪት ጆርናል ከም ዝሃበቶም ተዛሪባ።
በዚ መሰረት እቲ ጋዜጣ ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኢንስታግራም ጥዕና ኣእምሮ ህጻናት ደቂ ኣንስትዮ ክጎድእ ይኽእል'ዩ ኢሉ።
ሁገን ትማሊ ንባይቶ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ'ውን "ምምሕዳር እቲ ኩባኒያ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ውሑሳት ክኾኑ ምግባር ይኽእሉ'ዮም። ግን ድማ መኽስቦም ዘቐድሙ ስለ ዝኾኑ ኣይገብሩዎን" ኢላ።
ማርክ ዙከርበርግ ኣለዎ ንዝበለቶ ሰፊሕ ምቁጽጻር ክትነቅፍ እንከላ "ካብ ርእሱ ወጻኢ ካልእ ተሓታቲ ዝገብሮ የለን" ብምባል ተዛሪባ።
ዙከርበርግ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ኢንስተግራም ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግጉይ ውክልና ከም ዝኾነ ብምግላጽ ብዙሓት መናእሰይ እወንታዊ ልምድታት ኣለዎም ክብል ሞጒቱ።
እንተኾነ "ኩሉ እንሰርሖ ንህጻናት ውሑስን ጽቡቕን ክኸውን ንዓይ ጠቓሚ'ዩ" ክብል ኣብቲ ዝጽሓፎ ደብዳበ ኣስፊሩ።
ብሰኑይ ፌስቡክ፣ ዋትሳፕን ኢንስተግራምን ንሽዱሽተ ሰዓታት ተቛሪጾም ከም ዝነበሩ ይዝከር።
ሁገን፡ ነዚ ብምልዓል "ስለ ምንታይ ከም ዝተቛረጸ ኣይፈልጥን፤ ግን ድማ ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ፌስቡክ ምክፍፋል ንክዓሙቕ፣ ዴሞክራሲ ንክናጋዕን ኣናኣሽቱ ቖልዑት ሕማቕ ክስምዐንን ከም ዘይገበረ ይፈልጥ'የ" ኢላ።
ወናኒ ኩባኒያ ፌስቡክ ኣብ ዝሃቦ መልሲ እቲ ዘተሓሳሰበና "ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣገልግሎት ተቛሪጹዎም ወይ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ንስእን ዝብል ዘይኮነ ኣገልግሎትና ተጠቒሞም ምስ ስድራቤቶም ንዝራኸቡ፣ ስርሖም ንዝሰርሑ ወይ ማሕበረሰብ ንዝሕግዙ ሰባት እንታይ ማለት ምዃኑ'ዩ" ኢሉ።
ኣባላት ባይቶ ዴሞክራትን ሪፐብሊካንን ግን እቲ ኩባኒያ ክልወጥ ኣለዎ ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም።
ሴናተር ዴሞክራት ሪቻርድ ብሉምንታል "ሎሚ ፌስቡክ ኣብ ውልቃዊ ረብሓን ክብርን ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣት ንወለዶታት ክሃድነና'ዩ" ክብል እንከሎ ሪፐብሊካን ሴናተር ዳን ሱሊቫን ብወገኑ ፌስቡክ ኣብ ልዕሉ ህጻናት ዘስዕቦ ዘሎ ጽልዋ ብምሕሳብ ዓለም ንድሕሪት ተሚሊሳ ብምርኣይ "እንታይ ኢና ንሓስብ ዘለና? ኢላ ክትሓትት ይግባእ" ኢሉ።
ፌስቡክ ምስ ነቐፌታ ነባር ሰራሕተኝኡ'ኳ እንተዘይተሰማምዐ "ኣብ ኢንተርነት መልክዖም ዝሓለው ሕግታት ክስርሑ ግዝኡ'ዩ" ዝብል ከም ዝቕበሎ ገሊጹ።
"ሕግታት ኢንተርነት ካብ ዝመሓየሹ 25 ዓመታት ገይሮም፤ እቲ ኢንዳስትሪ ንሓገግቲ ዝምልከት ማሕበረሰባዊ ውሳነ ከምጽእ ካብ ምጽባይ እቲ ባይቶ ስጉምቲ ዝወስደሉ ግዜ'ዩ" ኢሉ።