እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቴክኖሎጂ፡ ኣብ ድሕሪ ቕዲ ኢሞጂታት ዘለው ብዙሕ ዘይፍለጡ ታሪኻት ደቂ ሰባት
መዓልታዊ ኣብ እትለዋወጡዎም መልእኽታት ጽሑፍ ዝተፈላለየ ቅርጺ ዘለዎም ኢሞጂታት ትጥቀሙ እንዲኹም?
እዚኦም ስቕ ኢሎም ምስቲ ዝምዕብል ዘሎ ቴክኖሎጂ ብዝተኣሳሰር ጥራሕ ዝመጽኡ ክመስለና ይኽእል።
እንተኾነ ኻልእ ሸነኽ ሰባዊ ዛንታ ዝቛጸሩ'ዮም።
"ኣቦይ ዝጻወቶም ሙዚቃታት ንዓለም ዘነቓቕሕ መልእኽቲ ዝሓዙ'ዮም" ይብል ሙዚቀኛ ሬጌ ኣንድሪው ቶሽ።
ካብ ጃማይካ ኪንግስተን ኢና ኣዛሪብናዮ። ኣቡኡ'ውን ሙዚቀኛ ሬጌ ነይሩ፤ ፒተር ቶሽ ትፈልጡዎ ትኾኑ።
ንሱ ሓደ ካብቶም ምስ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ሬጌ ቦብ ማርሊን ባኒ ዋይለርን ብምዃን ብ1960ታት ባንድ ሙዚቃ 'ዌይለርስ' ዝመስረቱ'ዩ።
እቲ ባንድ ሰለስቲኦም'ዮም መስሪቶምዎ። እቲ ዘሕዝን ናይ ፒተር ቶሽ መወዳእታ ጽቡቕ ኣይነበረን።
ኣብ 1980ታት ኣዝዩ ብዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ። ይኹን'ምበር ውርሻ ሙዚቃን ፖለቲካን ገዲፉ'ዩ ሓሊፉ።
ሕጂ ሞባይል ስልክኹም ከፊትኩም ናይ 'ምዝንባይ' [levitating] ኢሞጂ እንተኣሊሽኩም፡ ሓደ ጽሩይ ጸሊም ባድላ [ሱፍ] ተኸዲኑ ከራባት ኣሲሩ፣ ባርኔጣ ገይሩ ጸለል ዝበለ ንኡሽቶ ሰብኣይ ክመጽኣልኩም እዩ።
ንሱ ፒተር ቶሽ'ዩ፤ እቲ ሙዚቀኛ ሬጌ ዝበልናኩም።
ኒያምቤ ማኪንቶሽ ከኣ ጓሉ'ያ። ናቱ ዝኾነ ንብረት ዋላ ሓደ ከይትንክፎ ትሕሉ ኣላ።
ውርሻ ወላዲኣ፡ ፍትሕን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝጠልብ ስለ ዝኾነ ናቱ ስራሕቲ ከተቐጽሎም ምኽኣላ ሓበን ከም ዝስምዓ ትገልጽ።
"ሰባት ክለሃዩ ጥራሕ ኣይኮነን ዝደሊ፤ እኳ ድኣ ኣብ ውሽጢ ናይ ባዕሎም ፖለቲካዊ ንቕሓት ኮይኖም ክለሃዩ'ዩ ዝደሊ" ትብል።
ሃንደበት ኣቡኣ ዘንቲእለት ኣብ ዝነብር ኢሞጂ ምህላዩ ኣብ ዝፈለጠትሉ ግዜ ግን ብኣግራሞት ስሒቓ።
"ኣይፈልጥን፤ ግን እቲ ስእሊ ቦብ፣ ባኒን ኣቦይን ባላ ተኸዲኖም ምዃኑ ይፈልጥ'የ" ኢላ።
እዚ፡ ንሓዋ ኣንድሪው'ውን ሃንደበት'ዩ ኮይኑዎ፤ 'surprise' ኮይኑ 😁።
"ኦኦኦ! ይገርም!" ኢሉ። "እቲ ስእሊ ይፈልጦ'የ፤ መንእሰይ ፒተር ቶሽ" ኢሉ ብስሓቕ።
ስለዚ፡ እዚ ዕንቊ ሙዚቃ ሬጌ ከመይ ኢሉ ኣብ ኢሞጂ ኣትዩ?
ታሪኽ ኣብ ኪቦርድ ዘየለው ምልክታት [Web(dings)]
እምብኣር፡ እዚ ታሪኽ ካብ ጃማይካ ኪንግስተን ናብታ ዝናብ ዝበዝሓ ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ሲያትል ክወስደና'ዩ።
ብቐንዱ ከኣ ኣብ 1990ታት ማእከል ማይክሮሶፍት ዝነበሩ ቦታታት።
እዚ ኣብቲ ግዜ፡ እዚ ብሕታዊ ጀማሪ ሰውራ ኮምፒዩተር'ዩ ነይሩ። ታይፖግራፈር ቪንሰንት ኮናሪ ከኣ ሓደሽቲ 'ፎንት' ይሰርሕ ነበረ።
ንሱ ነቶም ኣብ ኪቦርድ ዘየለው ምልክታት ብስእሊ ዝግለጽ ቅዲ ጽሑፍ ምስ ኣውጽኣሎም ኣብ ተግባር ውዒሉ።
ኮናሪ፡ ናይ ብሓቂ ፈታዊ ሙዚቃ'ዩ፤ ብፍላይ ንሳካ።
ሓደ ካብቶም ዝፈትዎም ባንድታት ሙዚቃ ንኢንግሊሽ ሳካ ዝነሓንሖ ባንዲ 'ዘ-ስፔሻልስ' እዩ።
እዚኦም፡ ብ2 Tone Records ዝፍለጡ ጉጅለ ሙዚቃ ኣብ ሓደ ናይ ቀደም ስእሊ ዌይሌርስ ዝተሞርኮሰ ኣርማ [ሎጎ] ነይሩዎ።
ኣብዚ ስእሊ፡ ፒተር ቶሽ ሑቖ ንሑቐ ቦብ ጠጠው ኢሉ ይርኣይ፤ ቶሽ ጸሊም ባላ ተኸዲኑ፣ መነጸር ገይሩ ከራባት ኣሲሩ ኣሎ።
ዲዛይነር [ክኢላ ቅዲ] 2 Tone Records ነዚ ስእሊ ከም መበገሲ ወሲዱ።
ኮናሪ'ውን ድሕሪ 20 ዓመታት ነቶም ኣብ ኪቦርድ ዘየለው ምልክታት ብስእሊ ዝግለጽ ቅዲ ጽሑፍ ክሰርሕ እንከሎ ነዚ ኣርማ ተጠቒሙ።
ኣብቲ ንሱ ዝሰርሖ፡ እቲ ባድላ ዝተኸድነ ሰብ ክዘልል [ካብ መሬት ቁሩብ ሓፍ ኢሉ] ይርኣይ።
እዚ፡ ካብ ሓደ ገጽ ናብ ካልእ ገጽ ንዝግበር 'ዝላ' ንምውካል ክውዕል ይስትውዓል።
ድሕሪ ዓመታት፡ ብዙሓት ምልክታት 'ዌብዲንግስ' ከም ኢሞጂ ኮይኖም ከገልግሉ ጀሚሮም።
በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዘመነዎት ስልክታትን ካልኦት ቴክኖሎጂካዊ ስረሓትን ብብዝሒ ተዘርጊሖም።
ድሕሪኡ ኮናሪ ካልኦት ብዙሓት ምልክታት ቐሪጹ።
"ንርኢ'ሞ እቲ ዝርኣናዮ ኢና ንስእሎ" ይብል ብኣግራሞት ውርሻ እቶም ዝስኣአሎም ምልክታት እናሓሰበ።
ዝኽርታት ኢሞጂ
ኢሞጂታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ንክውዕሉ ኣብ ሲልከን ቫሊ ብዝርከብ ጉጅለ ዩኒኮድ ክጸድቁ ይግበር።
ንዪይንግን ካልኦት ከምኣ ዝበላ ክኢላታትን መበገሲ ሓሳበን ኣብ ኢሞጂ ምእታው ሓደ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ።
ኣብ ሻንጋይ ዝተወለደት ክኢላ ቅዲ [ዲዛይነር] ዪይንግ ብዙሓት ኣብ ኪቦርድ ዝኣትው ፕሮፖዛላት ነይሮምዋ።
ኢሞጂታት ቻይናውያን መግቢ ንምብላዕ ዝጥቀሙ ዕንጸይቲ [ቾፕስቲክ]፣ መጥቀሲ መግቢ [takeaway box]፣ ዓፍራ፣ ሻሂ መውሰዲ ኣቕሓ [boba tea] ንሳ እያ ሰሪሓቶም።
እዚኦም "ነጸብራቕ መንነት እታ ኣብ ኣመሪካ እትነብር ቻይናዊት'ዮም" ብምባል ከኣ ትገልጾም።
ትርጉም ምልክታት ምፍላጥም ባህሊ ሰባት ምግፋሕን ከኣ ባህ ኢሉዋ እትሰርሖም ስረሓት እዮም።
ይኹን'ምበር ትርጉም ሓደ ኣብ ቴሌፎንና ዝርከብ ኢሞጂ፡ ንባህሊ ዓዳ ዝገልጽ ኣይኮነን።
ፒኮክ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ሓደ ኮንፈረንስ ኢሞጂ ምስ ኣይሬን ቾ ዝተባህለት ኮርያዊት-ኣመሪካዊት ክኢላ ማርኬቲንግ ተራኺባ።
ንሳ ኣብ ሆሊውድን ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ኣብ ዝርከብ 'ቡርማ ላቭ' ዝተባህለ ሬስቶራንትን ሰሪሓ'ያ።
እዚ ሬስቶራንት ጥልፊ ዝመስል ምስሊ ፒኮክ ዝጸበቐ ስለ ዝነበረ፡ ዪይንግ ስለ ምንታይ'ዩ ከምኡ ኾይኑ ክትብል ትግረም ነይራ።
ፒኮክ ኣብ ባህሊ ቡርሜስ [ማያንማር] ፍሉጥ ምልክት ምዃኑ ምስ ፈለጠት፡ ክልቲአን ሓደ መዓልቲ ፒኮክ ኣብ ኢሞጂ ዝካተተሉ ቅጥዒ ሒዘን ክመጽኣ ወሲሰን።
ግዜ ከይወሰዳ ተግባራዊ ገይረንኦ። ዪይንግ ቅዲ እታ ፒኮክ ክትሰርሕ እንከላ ኣይሬን ከኣ ነቲ ፕሮፖዛል ጽሒፋቶ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ነዞም ኢሞጂታት ዘጽድቕ ዩኒኮድ ፒኮክ ኣብ መስርዕ ሕሩያት ከም ዝኣተወ ኣፍሊጡ።
ዪይንግ እዚ ብስራት ክትነግራ ናብ ኣይሬን ክትድውል እንከላ መልሲ የለን።
"መልእኽቲ ይጽሕፈላ ነይረ፤ እቲ ባህግና 'ጋህዲ ይኸውን ኣሎ!' ኢለ ጽሒፈላ። ግን ካብኣ መልሲ ኣይረኸብኩን"።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ይኸውን ዪይንግ ናብቲ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ዝርከብ ሬስቶራንት ከይዳ ድሃያ ትሓትት።
ብጣዕሚ ብዘሰንብድ ኣይሬን ምዕጋት ዝውውር ደም ብዘስዓቦ ወቕዒ ልቢ ምሟታ እያ ሰሚዓ።
ኣይሬን፡ ናብ ቡርማ ክትጉዓዝ ኣብ እትዳለወሉ ግዜ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሕማም ብምዃኑ ስድራቤታን መሓዙታን ሰንቢዶም'ዮም።
እዚ እቲ ዝሰርሕኦ ኢሞጂ ኣብ መስርዕ ሕጹያት ኣብ ዝኣተወሉ ተመሳሳሊ ወርሒ'ዩ ኣጋጢሙዋ።
ብዙሓት ኣዕርኽታ ግን ብዛዕባ እዚ ኢሞጂ ዝፈልጡዎ ኣይነበረን።
ብሩክ ሎ፡ ናይ ቐረባ መሓዝኣ እያ።
እቲ ኣብ ቴሌፎና ዘሎ ንኡሽቶ ምስሊ ፒኮክ መሓዝኣ ዝሰርሐቶ ምዃኑ ክንነግራ እንከለና ብኣግራሞት "ዳርጋ ካብ መንግስተ ሰማያት ዝቐረበ ሰላምታ" ኢላትና።
"ሰላም! ሕጂ'ውን ኣለኹ'የ፤ ሞት እንተኾነ'ውን ኣይፈልየናን ትብል ዘለና እዩ ዝመስል" ኢላ።
ኢሞጂታት ወትሩ ኣብ ቴሌፎንና ስለ ዘለው ቀልድን ነቶም እንጽሕፎም መልእኽታት ሓውሲ ምዝንጋዕ ክውሰኾም ዝተዳለው ይመስለና ይኸውን።
ንብሩክ፣ ዪይንግን ካልኦት ብዙሓትን ግን ልዕሊኡ'ዮም።
ብሩክ፡ "ኣይሬን በዚ ክትሕበን ነይራ'ያ፤ ምኽንያቱ ትርአዪ ምህላውኪ ንምርኣይ ዝሕግዙ ነገራት ኣገደስቲ'ዮም" ትብል።
ዪይንግ'ውን በዚ ትሰማማዕ።
"እዚ ዛንታ ብምክፋለይ ሕጉስቲ'የ" ትብል ብኹርዓት ንመሓዝኣ እናዘከረት።