እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሳይንስ፡ ደቂ ሰባት ምስዕዓም ዝጀመርሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ገለ ገሊኡ ባህሊ፡ ከንፈር ንከንፈር ገጢምካ ምስዕዓም ከም ነውሪ ስለ ዝቑጸር ኣብ ዓለም ሓደ ዓይነት ዝብሃል ልምዲ ምስዕዓም የለን።
ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝተፈላለየ እንርእዮ ዓይነት ምስዕዓም እንታይ ማለት'ዩ ዝብል ዝኾነ ዝነግረና ጠቓሚ ነገር ምህላዩ ኣይተርፍን።
ብመሰረት ኣብ 168 ባህልታት መሰረት ገይሩ ኣብ ዓለም ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ትሕቲ ፍርቂ ሕብረተሰብ እዘን መጽናዕቲ ዝተኻየደለን ሃገራት'ዮም ብከንፈሮም ዝስዓዓሙ።
ክኢላ ስነ ሰብ ዩኒቨርሲቲ ኔቫዳ ፕሮፌሰር ዊልያም ጃንኮዊክ፡ ካብቶም ንደቆም ዝስዕሙ ወለድን ሰላምታ ዝለዋወጡን ወጻእ ብፍቕራዊ ስምዒት ከንፈር ንከንፈር ዝስዓዓሙ ሰባት 46 ሚኢታዊት ጥራይ ከም ዝኾኑ ብመጽናዕቲ ረኺቡ።
ህጻናት ከንፈር ምትንኻፍ ይፈትው'ዮም።
ካብኡ ብዝተፈለየ፡ ኣባጽሕ ኣፍ ንኣፍ ገጢሞም ምስዕዓም ዝመርጸሉ ምኽንያት ዝምልከት ግን ክልተ ክልሰ ሓሳብ ኣሎ።
እቲ ሓደ፡ ከንፈር ምስ ምጥዋብ ስለ ዝተኣሳሰር፡ እዚ ከኣ ንኹሉ ባህሪያዊ ብምዃኑ'ዩ።
ብተወሳኺ በዚ መዳይ ኣብ ሞንጎ ኣደን ውላድን ዘሎ ጥቡቕ ምትእስሳር ካብቲ ኣደ ንውላዳ ንምምጋብ "ሓይኻ እተኾልሶ" ዝመጽአ'ዩ ዝብሉ ኣለው።
ወለዲ ጥንታዊ ወለድና ንውላደን መግቢ ቅድሚ ምሃበን ሓይኸን ብቐጥታ ናብ ኣፍና ኣኾሊሰናና ክኾና ይኽእላ'የን።
እዚ፡ ኣብቶም ንዓና ቐረባ ዝብሃሉ መበቆል ደቂ ሰባት ምዃኖም ዝንገረሎም ኢምፓንዚታትን ካልኦት ኣበይቲ ኣህባይን ዝስትውዓል'ዩ።
ካልኦት ክልሰ ሓሳባት ድማ፡ ክዳውንቲ ቀንዲ ምኽንያት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይጠቕሱ።
"እንተኾነ፡ ኣነ እቲ ኣብ ዓለም እንሪኦ ምስዕዓም ምህላዩ ወይ'ውን ዘይምህላዩ ስምዒት ደቂ ሰባት ካብ ምስዕዓም ወጻእ ብኻልኦት መገዲታት ክማላእ ምኽኣሉ ይመስለኒ" ይብል ፕሮፌሰር ዊልያም ጃንኮዊክ።
ኣብቶም ከንፈር ንከንፈር ናይ ምስዕዓም ባህሊ ዘይብሎም ሕብረተሰብ ጥቡቕ ዝምድንኦም ዝገልጽሎም ካልኦት መገዲታት ክትብል ኣመሪካዊት ጸሓፊት ሳይንስ ሺሪል ትገልጽ።
ንኣብነት፡ ኣብ ምብራቕ ገምገም ፓፓዋ ኒው ጊኒ ኣብ እትርከብ ደሴት ትሮብሪያንድ ዝነብሩ ፍቕረኛታት፡ ገጽ ንገጽ ከፍ ኢሎም ቅርንብ ዓይኒ ሓድሕዶም ብምንጽጻይ'ዮም ዝስዓዓሙ።
"እዚ ንዓና ፍቕሪ ዝገለጸሉ መገዲ ዘይክመስለና ይኽእል፤ ንዓኣቶም ግን ንሱ'ዩ እቲ ባህሎም" ትብል።
እቲ ከንፈር ንከንፈር ምስዕዓምን ካልኦት ዓይነታት ምስዓምን ሓደ ዝገብሮም ነገር፡ ሰባት ንሓድሕዶም ክቀራረቡን ንምቅርራቦም ምኽንያት ክፈጥሩን ዝገብሩ ምዃኖም'ዩ።
ምስዕዓም፡ ብፍሉይ ወዲሰባዊ ባህርይ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።