እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢንሳ፡ ፌስቡክ ገጽ ኢቢሲ ዝሰርሰረ ኣካል ንምፍላጥ የጻሪ ኣለኹ ኢሉ
ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲን ኢትዮጵያ /ኢቢሲ/ ብሰኑይ ይፍጸም ዝነበረ በዓለ ሲመት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ብቐጥታ ኣብ ፌስቡኩ ይፍነው ኣብ ዝነበረሉ እዋን 'ካብ ቁጽጽር እቲ ትካል ወጻኢ ዝኾነ መልእኽቲ' በቲ ፌስቡክ ዝፈነዉ ኣካላት ንምፍላጥ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኢንሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ መርበብ ድሕነት ሓበሬታ ኢትዮጵያ (ኢንሳ) ዶክተር ሹመቴ ግዛው ብዛዕባ ኣብቲ ተግባር ተሳቲፎም ዝተባህሉ ጥርጡራት ክዛረብ ከሎ “ውሽጣዊ ሽርሒ ነይርዎ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ” ኢሉ።
ኣብቲ ብ24 መስከረም 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ዝተኻየደ በዓለ ሽመት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ ደገ ንፌስቡክ ኢቢሲ ጠሊፍካ ክፍጸም ዝኽእል መጥቃዕቲ ሳይበር “ምሉእ ብምሉእ ዕጽው እዩ ነይሩ” ክብል ድማ ኣረዲኡ።
ኣብቲ መዓልቲ ብኢቢሲ ዝውነን ፌስቡክ “ብሰርሰርቲ ተጨውዩ” ብቪድዮን ጽሑፍን መልእኽትታት ዝሓለፉ ኮይኖም ሰብ ሞያ ድሕንነት ሳይበር ኢንሳ “ዝኸፍአ ጉድኣት ከየስዓበ ብቕልጡፍ ክቆጻጸርዎ” ከም ዝኸኣሉ’ዩ ዝገልጽ።
ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ “እቲ ጸገም ካብ ደገ ድዩ ብውሽጢ ተፈጺሙ ዝብል ንምፍላጥ ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ንሰርሕ ኣለና” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ’ሎ።
እቲ ምጽራይ ምስ ተወገነ ሰራሕተኛታት ኢቢሲ ኣብቲ ተግባር ተሳተፍቲ ምዃኖም እንተተረጋጊጹ ብመሰረት ደንቢ ስነ ምግባር እቲ ትካል ስጉምቲ ክወስድ ትጽቢት ከም ዝገብሩ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከም ዝቐርቡ ኣፍሊጡ።
ነቲ ኣሰራርሓ ዘመሓድሩ ‘ኣድሚናት’ ኣካውንት ኢቢሲ ወይ ነቲ ኣካውንት ክጥቀሙ ዝኽእሉ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ኣብቲ ሽርሒ ተሳተፍቲ ኮይኖም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ሹመቴ ወሲኹ ገሊጹ።
“ብውሽጣዊ ሽርሒ ምናልባት’ውን ብዘይምፍላጥ እቲ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል [‘ፓስወርድ’] ክረኽቡ እንተኺኢሎም ናብ ውሽጢ ኣትዮም ዝደለይዎ ነገር ክገብሩ ይኽእሉ እዮም” ክብል ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ሳይበር ይውስኹ ምህላዎም ዘዘኻኸረ እቲ ዳይሬክተር ኣብ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ “ዝለዓለ ጉድኣት ከስዕቡ ዝኽእሉ” ልዕሊ 2800 መጥቃዕታት እንተተፈነዉ’ኳ ጉድኣት ከየስዓቡ ምቁጽጻር ከም ዝተኽኣለ ገሊጹ።
ምስ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ብዝተሓሓዝ ድልየት ዘለዎም ኣካላት ኣብ ልዕሊ 37 ሽሕ ብኔትወርክ ዝተኣሳሰራ ኮምፒዩተራት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ፈቲኖም ብሰብሞያ እቲ ኤጀንሲ ከም ዝፈሸሉ ወሲኹ ሓቢሩ።
መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ብዘኽእሉ ቴክኖሎጂታት ከምኡ’ውን ሓይሊ ሰብ ድልው ምዃን ከም ዘድልይ ዝሓበረ እቲ ዳይሬክተር ነቲ ቴክኖሎጂን ሓይሊ ሰብን ንምጥቃም ዘኽእል ሓፈሻዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ክህለው ከም ዝግባእ ምዒዱ።
እቲ ኤጀንሲ፡ ንሃገራዊ፣ ኣህጉራውን ዓለማውን ኩነታት ብምድህሳስ ፖለቲካዊ፣ ውልቀ-ሰባውን ፋይናንሳውን ድልየት ዘለዎም ኣካላት ብምጽናዕ 24 ሰዓታት ሃገር ናይ ምክልኻል ስራሕ ይፍጸም ምህላዉ ተዛሪቡ።