እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒት ሚያንማር ነበር ኣውንግ ሳን ሱ ኪ ናይ 4 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ
ካብ ስልጣና ብዕልዋ ዝተኣለየት መራሒት ሚያንማር ነበር ኦውንግ ሳን ሱ ኪ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ተበይንዋ።
ሳን ሱ ኪ ተቓውሞ ክጓሃሃር ምግባርን ንመምርሒታት ኮቪድ ብምጥሓስን ዝብሉ ክስታት ከምዝቐረቡላ ተፈሊጡ።
ብሓፈሻ 11 ክስታት ዝቐረቡላ ኮይኖም፡ ዘይፍትሓዊ ዝብል ሰፊሕ ተቓውሞ ቀሪቡ’ሎ። ንሳ’ውን ጥፍኣተኛ ከምዘይኮነት ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ’ላ።
ጓል 76 ዓመት ኦውንግ ሳን ሱ ኪ ብዕልዋ ካብ ስልጣና ተኣልያ ናብ ማእሰርቲ ቅድሚ ምብጽሓ ብመረጻ ዝተዓወተ ሲቪላዊ መንግስቲ ከምዝመርሐት ይዝከር።
ወተሃደራዊ ክንፊ እታ ሃገር “ነቲ ዕልዋ ዘካየድኩ ሳን ሱ ኪ ኣብ ዝተዓወተትሉ መረጻ ምልክታት ምጭብርባር ስለዝረኣኹ እዩ” ዝብል ምኽንያት የቕርብ።
እቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊኣ ዝተበየነ ማእሰርቲ ወግዓዊ ኮይኑ ዘሎ ድማ ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምቅዋም ናብ ኣደባባይ ኣብ ልዕሊ ዝወጽኡ ሰባት ሰራዊት እታ ሃገር ብመኪና ገጭዩ ሓደጋ ኣብ ዘብጽሓሉ እዋን’ዩ።
ትማሊ ሰንበት ሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ተቃውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ጠኒና ብምውእታው ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰልፈኛታት ሓደጋ ከምዘውረደት ተገሊጹ’ሎ።
መሰኻኽር ዓይኒ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እታ ወተሃደራዊት መኪና ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ሓደጋ ምስ ኣውረደት፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ እቶም በርጊጎም ዝሃድሙ ዝነበሩ ሰባት ጥይት ከምዝተኮሱ ገሊጾም።
ኣብ ሚያንማር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝካየድ ብውሕዱ 1200 ሰለማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከዉ ኣሽሓት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ብዝለዓለ ድምጺ ክትዕወት ከምዝኸኣለት ተገሊጹ ነይሩ። እቲ መረጻ ነጻን ፍትሓውን ከምዝነበረ ዝገልጹ ዘይሻራውያን ኣጻረይቲ እቶም ኣብ ልዕሊኣ ዝተመስረቱ ክስታት ፖለቲካዊ ከምዝኾኑ ይገልጹ።