እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕልዋ ሚያንማር፡ ፖሊስ እገዳታት ኣብ ዝጠሓሱ ሰልፈኛታት ፕላስቲክ ጠያይቲ ተኲሱ
ፖሊስ ሚያንማር (በርማ)፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይፒታው፡ ነቲ ንመዓልትታት ዝጸንሐ ተቓውሞታት ንምግታእ ዝተገብረ ቀይድታት ብምጥሓስ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ናይ ፕላስቲክ ጠያይቲ ተኲሱ።
ፖሊስ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ማይ ብምንጻግ ክብትኖም ፈቲኑ ነይሩ።
እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተገብረ ምርጫ ዝተዓወተ መንግስቲ ናብ ስልጣን ከምለስ ይጠልቡ።
ኣብቲ ምርጫ 'ምትላል ተፈጺሙ እዩ' ብምባል ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን ዝሓዘ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ሰባት ብብዝሒ ከይእከቡን ኣብ ገለ ከተማታት ኣብ ሰዓታት ለይቲ ዝኾነ ምንቅስቓሳትን ዝኽልክን ኣዋጅ ሕጹጽ እዋን ተግባራዊ ገይሩ እዩ።
እንተኾነ ግና ኣብ ብዙሓት ከተማታት ንራብዓይ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ቀጺሉ ኣሎ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሚኒ ኦንግ ሂላይን ብሰኑይ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ከም ዘይኮነ እኳ እንተኣጠንቀቐ፡ ብዛዕባ እቶም ሰልፈኛታት ግና ብቐጥታ ኣይተዛረበን።
ድሕሪ መደረ እቲ ኣዛዚ ኣብ መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን በርማ ዝቐረበ መደብ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጊ ዝጥሕሱ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝግባእ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ፖሊስ ዝወሰዶ ስጉምቲ እንታይ ይመስል?
ኣብ ከተማ ናይፒታው ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ፖሊስ ምትኳስ ቅድሚ ምጅማሩ ፍሉያት መካይን ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ማይ ነጺጉ።
ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ብወገኑ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ናይ መጠንቀቕታ ቶክሲ ክልተ ጊዜ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምትኳስ ናይ ፕላስቲክ ጠያይቲ ናብቶም ሰልፈኛታት ተኲሶም” ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሚያንማር፡ ሰልፈኛታት ምትእኽኻባቶም ቀጺሎም ከም ዘለው እቲ ዝወጽእ ዘሎ ስእልታት ይነግር።
ብሰኑይ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት እታ ሃገር ዝርከቡ መማህራን፡ ጠበቓታት፡ ሰራሕተኛታት ባንክን ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስትን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከካይዱ እንከለው፤ ውሑድ ቁጽሪ መቑሰልቲ ከም ዘጋጠመ እኳ እንተተነግረ ጎንጺ ግና ከም ዘይነበረ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ያንጎን ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ናይ ቡድሂዝም ፈለስቲ፡ ተኸተልቲ እምነት እስልምና፡ ፍሉጣት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ተዋሳእትን ሙዚቀኛታትን ነቲ ዕልዋ ብምቅዋም ኣብቲ ሰልፊ ከም ዝተሳተፉ ወኪል ቢቢሲ ካብታ ከተማ ጸብጺቡ።
እቲ ተቓውሞታት እናሓየለ ክኸይድ ከም ዝኽእል’ውን ሓቢሩ።
ግብረ-መልሲ ናይቲ ሰራዊት እንታይ ይመስል?
እቲ ዕልዋ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ክፍጸም እንከሉ፡ ጀነራል ሚን ኦንግ ሂላይን ንፈለማ እዋን ብሰኑይ እዩ ብቴለቪዥን መልእኽቲ ዘመሓላለፈ።
ንሱ ኣብ መልእኽቱ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ “ምርጫ ዝተርኣየ ምትላል” ስልጣን ምሓዝ ኣገዳሲ ምንባሩ ተዛሪቡ።
ኮምሽን ምርጫ፡ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ዝርዝር መረጽቲ ዝነበረ ሓላፍዘላፍነት ብዘይ ምምርማሩ’ውን ነቒፍዎ።
እቲ ኮምሽን፡ ግና ሰፊሕ ምትላል ምንባሩ ንዝገልጽ ክሲ ዘረድእ ጭብጢ ከም ዘየሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብቲ ምርጫ ኣን ሳን ሱ ቺን እትመርሖ ሰልፍን ብሰፊሕ ከምዝተዓወተ እዩ'ቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።
ፕረዚደንት ዊን ሚንት ዝርከቦም ሳን ሱ ቺን ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ደሞክራሲን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ካብ ዝኣትው ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኮይኑ ኣሎ።
ከም ብሓድሽ ብዝቐውም ኮምሽን ምርጫ ዝምራሕ ምርጫ ክካየድ ምዃኑን ሰራዊት ነቲ ዝተዓወተ ኣካል ስልጣን ከም ዘረክብን ጀነራል ሚን ኦንግ ሂላይን ተመባጺዑ።
ንሱ ወሲኹ መሪሕነቱ ካብቲ ክሳብ 2011 ን49 ዓመታት ነታ ሃገር ዝገዝአ ወተሃደራዊ ስርዓት “ዝተፈልየ” ከም ዝኸውን ተዛሪቡ።
ኒውዚላንድ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኩሉ ምስ ሚያንማር ዘለዋ ላዕለዋይ ርክባት ክተቋርጾ ምዃናን ኣብ ወተሃደራውያን መራሕቲ ሚያንማር እገዳ መገሻ ከም እተንብርን ሓቢራ።
እዚ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ለካቲት 1 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፡ ንምንጻሉ ዝተወስደ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ስግምቲ እዩ።