ፌስቡክ ስም ፐረዚደንት ቻይና 'ብቴክኒካዊ ጸገማት' ኣገጋግዩ ከምዝተርጎሞ ሓቢሩ

ፌስቡክ ስም ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ካብ በርማ ናብ እንግሊዝኛ ንዝተተርጎመሉ ጽዩፍ ቃል ይቅሬታ ሓቲቱ።

እቲ ዝተጋገየ ትርጉም፡ ፕረዚደንት ዢ ኣብ ሚያንማር ዑደት የካይድ ኣብ ዝርከበሉ እዋን እዩ ዝተፈጠረ።

ትማሊ ቀዳም፡ ክልተኣዊ ርክብ ንምጥንኻር፡ ዢ ምስ መራሒት ሚያንማር ኦውንግ ሳን ሱ ኪ ተራኺቡ ነይሩ።

ብዛዕባ እቲ ዑደት ድማ ብቋንቋ በርማ ዝተጸሓፈ ሓበሬታ ኣብ ፌስቡክ ተጠቂዑ። ሽዑ ስም ፕረዚደንት ዢ ኣጸያፊ ብዝኾነ ቃል ብጌጋ ተተርጒሙ።

ሚስተር ዢ [Mr. Xi] ዝብል ስም ናብ ሚስተር ረሳሕ ወይ ጓሓፍ [Mr. Shithole] ብዝብል ኣብ ፌስቡክ ተተርጒሙ'ዩ። ኣብ ብዙሓት ገጻት'ውን ተዘርጊሑ።

ፌስቡክ ነዚ ኣመልኪቱ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ክስተት 'ብቴክኒካዊ ጸገም' ከምዝተፈጠረ ሓቢሩ።

"ነቲ ካብ በርማ ናብ እንግሊዝኛ ዝተዛብዐ ትርጉም ክፍጠር ዝገበረ ቴክኒካዊ ጸገም ፈቲሕናዮ ኣለና" ኢሉ ወሃቢቓል ፌስቡክ ኣንዲ ስቶን።

"ክፍጠር ኣይምተገብኦን፤ መሊሱ ንኸይፍጠር'ውን ንሰርሕ ኣለና" ክብል'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

በርማ ኣብ ሚያንማር ዝዝረብ ሃገራዊ ቋንቋ ኮይኑ፡ ብክልተ ሲሶ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ይዝረብ።

ፌስቡክ ስም ፕረዚደንት ዢ ናብቲ ቋንቋ በርማ ናብ እንግሊዝኛ ዝትርጉም ዳታቤዝ ኣትዩ ዘይምንባሩ ኣፍሊጡ'ሎ።