እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚያንማር፡ መራሒ ናይቲ ዕልዋ ዘኻየደ ሰራዊት ዲሞክራሲ ከምዘስፍን ተመባጺዑ
መራሒ ናይ'ቲ ኣብ ሚያንማር ዕልዋ ዘካየደ ሰራዊት ሚን ኣንጉ ህላንግ፡ ነቶም ኣብ ኣደባባያት ኣንጻሩ ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት ኣብ'ታ ሃገር ዴሚክራሲ ከስፍን ምዃኑ ተመባጺዑ።
ሚን ኣንጉ ህላንግ፡ ኣብ ሃገራዊ ተሌቪዥን ቀሪቡ ንመዓልቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ'ታ ሃገር ምርጫ ከምዝካየድ እኳ እንተተዛረበ እቲ ምርጫ መዓስ ከምዝካየድ ግን መዓልቲ ኣየፍለጠን።
እታ ሃገራዊት ቴለቪዥን ብዓርቢ ኣብ ዘቃልሓቶ መደብ’ውን እቶም ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት ተቓውሞኦም ከቋርጹ እንተዘይኮይኑ ግን ‘ኣብ ርእሶምን ሕቆኦምን’ ብጥይት ክውቕዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቓ ነይራ።
ኣብ ሃገረ ምያንማር 1 ለካቲት ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ፡ ነቲ ዕልዋ ዘካየደ ዕጡቕ ንምቅዋም ናብ ጎደናታት ካብ ዝወጽኡ ሰባት፡ ልዕሊ 320 ብጥይት ከምዝተቐተሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሚን ኣንጉ ህላንግ ሎሚ ቀዳም ኣብ ቴለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ “ሰራዊት ምስ መላእ ህዝቢ ብምዃን ዴሞክራሲ ንኽሰፍን ክሰርሕ እዩ” ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ “እቲ ርግኣትን ድሕነትን ዝፈታተን ጠለብካ ንምምላእ ዝግበር ጎነጻዊ ሓይሊ ግቡእ ኣይኮነን” ኢሉ።
ሚን ኣንጉ ህላንግ ኣስዒቡ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ዝሓዘሉ ምኽንያት በታ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመረጸት ንግ ኣን ሳን ሱቺን ንሳ ትመርሖ ዝነበረት ሰልፍን ‘ዘይሕጋዊ ተግባራት’ ይፍጸም ስለዝነበረ’ዩ ኢሉ።
እንተኾነ፡ እቲ ሰራዊት ነቲ ንተቓውሞ ናብ ጎደናታት ዝወጽእ ሰብ ቶኵስካ ቅተል ዝብል ትእዛዝ ከምዝተውሃቦ ኣይሓበረን።
እቲ ኣብ ምያንማር ስልጣን ሒዙ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ቅትለትን ቶኹስን በቶም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ’ዩ ዝፍጸም ዘሎ ኢሉ ነይሩ።
መደበር ተለቪዥን እታ ሃገር፡ ብዓርቢ ኣብ ዘቃልሓቶ መደብ፡ ህዝቢ “ካብ'ቲ ኣቐዲሙ ዝተጸፈመ ዘስካሕክሕ ቅትለታት ይመሃር፡ እንተዘይኮይኑ ሕጂ’ውን ኣብ ርእስኹምን ሕቆኹምን ናብ ዘህርመኩም ሓደጋ ኢኹም ትኣትዉ ዘለኹም” ኢላ ነይራ።
ኣብ ምያንማር ብምኽንያት ኣብ 1945 ኣንጻር ጎቦጣ ጃፖን ዝተለዓለ ወተሃደራዊ ቃልሲ ዓመታዊ መዓልቲ ሰራዊት ምያንማር ተባሂሉ ዕለት 27 መጋቢት ይብዓል እዩ።
እቲ ዝኽሪ፡ መዓልቲ ሰራዊት ምያንማር ብዙሕ ግዜ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጽኡ መራሕቲ’ውን ይሳተፍዎ ነይሮም’ዮም፡ ሎሚ ዓመት ግን ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኣሌክሳንደር ፎርሚን ጥራይ እዩ ተሳቲፉ።
ሚን ኣንጉ ህላንግ ንምስታፍ እቲ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ሩስያ እታ ሓቀኛ መሓዛ ምያንማር’ያ” ኢሉ።
ኣመሪካ፡ ዓባይ ብርጣያንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ምያንማር ዕልዋ ዘካየደ ዕጡቕ ጉጅለ እገዳ ምንባረን ይዝከር።
ኣብ መንጎ ምያንማርን ሩስያን ዝነበረ ርክብ ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ ዓመታት ናብ ዝልዓለ ምድግጋደፍ ክብ ክብል ጸኒሑ እዩ።
ሩስያ፡ ንኣሽሓት ወተሃደራት ምያንማር ወተሃደራዊ ተዓሊም ብምሃብን፡ ወተሃደራዊ ብረታት ብምሻጥን ንምያንማር ክትድግፋ ጸኒሓ እያ።
በርማ ዝብል ስም’ውን ዘለዋ ምያንማር፡ ኣብ 1948 ካብ ብርጣንያ ነጻ ወጺኣ፡ ድሕሪ ናጽነታ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ኸኣ እቲ ዝብዝሐ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምሕደራ እያ ኣሕሊፋቶ።
ኣብ'ታ ሃገር ዝነበረ ቀይዲታት ኣብ 2010 ክልሕልሕ ጀሚሩ፡ ኣብ 2015 ኸኣ ኣን ሳን ሱቺ ዝተመረጸትሉ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ኣብ 2017 ሰራዊት ምያንማር ኣንጻር እቶም ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝበሎም ዓሌት ሮሂንግያ መጥቃዕቲ ፈጺሙ፡ ብሰንኪ እዚ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሙስሊም ሮሂንግያ ዶብ ሃገሮም ሰጊሮም ናብ ባንግላዲሽ ተሰዲዶም።