ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ናይ ሓባር መርመራ ከካይዱ'ዮም

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሃገራዊ ኮሚሽን ሰባዊ መሰላት ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ንምጽራይ ናይ ሓባር መርመራ ከካይዱ ተሰማሚዖም።

ክልቲኦም ኣካላት ነቲ በቶም ኣብ'ቲ ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ዝተወለዐ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ተፈጺሙ ዝብሃል ግፍዕታትን ምግሃስ መሰላትን ብምምርማር፡ ግዳያት ፍትሒ ዝረኽብሉ ኩነታት ንምፍጣር ከምዝጽዕሩ፡ ክልቲኦም ትካላት ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

"እቲ ንግዚኡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ስራሕ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክጅመር'ዩ" ክብሉ ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም።

"ክልቲኦም ትካላት በቲ ዝግለጽ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዓመጽን፡ ከምኡ'ውን እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣውሪድዎ ዘሎ ሳዕቤን ተሻቒሎም ኣለዉ" ድማ ኢሎም።

እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ ዝመሰረቶም ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባትን ካልእ ስቪል ማሕበረሰብን፡ መንግስታዊ ኮሚሽን ስብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ መርመራ ምስታፉ ተቓዊሞምዎ ኣለዉ።

እቶም ተቓወምቲ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሻራዊ እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገብሮ ምጽራይ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ከየሳትፍ ብምምሕጻን ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፎም እዮም።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓባራዊ መርመራ ንኽገብሩ ከምዝተሰማመዐት ኣፈኛ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ህወሓት፣ ሰራዊት ኤርትራ ከምኡ ድማ ክልላዊ ሓይልታት ኣምሓራን ሚሊሻታቶምን፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕግታት፡ ከምኡ'ውን ገበናት ኩናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጭቡጥ ሓበሬታታት ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ'ውን ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ግጭት ዝሳተፉ ዘለው ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ከምኡ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ዝፈጸሙዎ ግህሰት እንተሃልዩ፡ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ኢሉ'ሎ።

ኣብ'ቲ ክልል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን ከም ዝተፈጸሙ ዘመልክቱ መረዳእታታት ይወጽኡ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ በደል ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ተዛሪቡ።ሓያሎ ተጣበቕቲ ጉጅለታት፡ እቲ ኣብ'ቲ ክልል ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብናጻን ዘይሻራውን ኣካል ክምርመር ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

ብ 03 ሕዳር፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብምባል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብ 04 ሕዳር "ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ መቐለ 'እቲ ስርሒት ብዓወት ከምዝተዛዘመ' ገሊጹ እንተነበረ'ኳ፡ እቲ ኩናት ግን ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ቀጺሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ'ቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ።

ካብ መረበቶም ዝሃደሙ ልዕሊ 60,000 ካልኦት ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ።