እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሪስትያኖ ሮናልዶ ልዕሊ 800 ጎላት ዘመዝገበ ቀዳማይ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ
ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ተጻዋታይ ማንቸስትር ዩናይትድን ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ዓበይቲ ሊጋትን ምስ ሃገራዊት ጋንታን ብምዃን ልዕሊ 800 ጎላት ዘመዝገበ እንኮ ተጻዋታይ ኮይኑ።
ክሪስትያኖ ሮናልዶ ትማሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ንኣርሴናል 3 ብ 2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ: ክልተ ሸቶታት ድሕሪ ምምዝጋቡ እዩ እቲ እንኮ ኣብ ዓበይቲ ጸወታታት ልዕሊ 800 ሸቶታት ዘመዝገበ ተጻዋታይ ክኸውን ክኢሉ።
ክሪስትያኖ ሮናልዶ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡን ኣብተን ዝተጻወተለን ክለባትን ብድምር 1,097 ግዜ ብምጽዋት 801 ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ።
ክረስተያኖ ሮናልዶ ኣብ መጀመርታ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረሉን ሕጅን ብድምር 130 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ ክሪስትያኖ ሮናልዶ፡ ኣብ ስፖርቲንግ ሊዝበን 5 ሸቶታት፡ ኣብ ርያል ማድሪድ 450፡ ኣብ ጁቬንቱስ 101 ከምኡ'ውን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል ብምዃን 115 ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ እዩ።
በዚ መሰረት ክሪስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ዓለምለኻዊ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ከምኡ'ውን ኣብ ክለብ ርያል ማድሪድ ዝልዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኮይኑ።
ናይ ፕሪመይር ሊግ ክብረ ወሰን ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሽቶ ሒዙ ዘሎ ኣላን ሽረር ኣብ ልዕሊ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ዘለዎ ኣድናቂት ገሊጹ ኣሎ።
"እዚ ሮናልዶ ዘለዎ ቆራጽነት ዘርኢ እዩ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ብራኸ ክትበጽሕ ቀሊል ኣይኮነን፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንነዊሕ ዓመታት ምስ ብቕዓትካ ምጽናሕ'ውን ቀሊል ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብ ማንቸስትር ዩናይትድን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ምስ ሮናልዶ ዝጻወት ብሩኖ ፈርናንደስ ብወገኑ "ዘደንቅ እዩ፡ ኩልና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ክእለትን ጸወታን ምምሕያሽ ከምእነርኢ ርዱእ ኮይኑ፡ ኩሉ ግዜ ብሉጽ ኮይንካ ክትርከብ ግን ኣጸጋሚ እዩ፡ ሮናልዶ ግን ኩሉ ግዜ እዩ ብሉጽ ኮይኑ ዝቅጽል ዘሎ" ኢሉ።
ብራዚላውያን ፔለን ሮማርዮን በብውልቆም ልዕሊ 1000 ሸቶታት ከምዘመዝገቡ እዮም ዝገልጹ፡ እንተኾነ እቲ ኣብ ዘይስሩዕን ኣብ ናይ ምሕዝነት ጸወታታትን ዘመዝገብዎ ሽቶታት ምስ ዝጎድል፡ እቲ ዘመዝገብዊ ሸቶታት ትሕቲ 700 ጥራይ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ኣርጀንቲናዊ ልዮነል ሜሲ ክሳብ ሕጂ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ፡ ክለብ ባርሲሎናን ክለብ ፒኤስጂን ብምዃን 756 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።