እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዮነል ሜሲ ብ ፔለ ተታሒዙ ንዝነበረ ክብረ ወሰን ሰይርዎ
ልዮነል ሜሲ ኣብ ክለብ ባርሴሎና ብምዃን መበል 644 ሽቶ ስለዘመዝገበ፡ ነቲ ብብራዚላዊ ፔለ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ሰይርዎ።
ጋንታ ባርሴሎና ናብ ርያል ቫላዶሊድ ገይሻ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፡ ልዮነል ሜሲ ኣብ መበል 65 ደቂቕ ሸቶ ኣመዝጊቡ ነዚ ክብሪ ክበቅዕ እንከሎ፡ ብሓፈሻ ባርሴሎና 3 ብ ባዶ እያ ተዓዊታ።
ወሲ 33 ዓመት ኣርጀንቲናዊ ልዮነል ሜሲ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ ነታ ቀዳመይቲ ብክለሰንት ለንግለት ዝተመዝገበት ሸቶ ባዕሉ ዝኸሸና ክትከውን እንከላ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ብማርቲን ዝተመዝገበት ሸቶ’ውን ናይ ሜሲ ኣበርክቶ ነይርዋ’ዩ።
ብራዚላዊ ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ምስ ክለብ ሳንቶስ ኮይኑ ካብ 1956 ክሳብ 1974 ን19 ወቕትታት ኣብ ዝተጻወተሉ፡ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኮይኑ 643 ሸቶታት ብምምዝጋብ ወናኒ እዚ ክብረ ወሰን ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ።
ልዮነል ሜሲ ብወገኑ፡ ምስ ባርሲሎና ኮይኑ ጸወታ ምስ ጀመረ ኣብ 2005 ሸቶ ምምዝጋብ ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሕጂ ኽኣ 10 ዋንጫ ላሊጋ፡ ኣርባዕተ ዋንጫ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳን ካልእን ክስፍስፍ ክኢሉ ኣሎ።
ኣብ'ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ላሊጋ፡ ብቕዓታ ብርኡይ ጎዲሉ ዘሎ ጋንታ ባርሲሎና፡ ካብታ ነቲ ውድድር ቀዳማይቲ ኮይና ትቕልሶ ዘላ ኣትለቲኮ ማድሪድ ብሸሞንተ ነጥቢ ድሒራ ኣብ መበል ሓምሻይ ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።