እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ልዮነል መሲ ምስ ፔለ ዘመዓራርዮ ክብረወሰን ረኺቡ
ኣርጀንቲናዊ ልዮነል መሲ ትማሊ ጋንትኡ ባርሲሎና ምስ ቫለንሽያ ማዕረ ኣብ ዝወጽኣትሉ ግጥም ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋቡ ምስ ፔለ ክመዓራረ ክኢሉ።
ሜሲ በታ ትማሊ ዘመዝገባ ሸቶ ተሓጊዙ፡ ምስ ጋንታ ባርሲሎና ኮይኑ ዘመዝገቦ ሸቶ 643 ብምብጽሑ፡ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኮይኑ ብዘመዝገቦ ሸቶታት ምስ ብራዚላዊ ንጉስ ኵዕሶ እግሪ ፔለ ክመዓራረ ክኢሉ ኣሎ።
ወዲ 33 ዓመት ልዮነል መሲ፡ ምስ ጋንታ ባርሲሎና ኮይኑ ጸወታ ኣብ ዝመጀረሉ፡ ኣብ 2005 እዩ ኣብ ልዕሊ ጋንታ ኣልባሴራ ብዘመዝገባ ሸቶ ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ።
ብራዚላዊ ፔለ ብወገኑ ምስ ጋንታ ሳንቶስ ኮይኑ ካብ 1956 ክሳብ 1974 ኣብ ዝተጻወተሉ 643 ጎላንት ከመዝግብ ክኢሉ።
እንተኾነ ልዮነል መሲ ጋንትኡ ካብ ቀዳመይቲ ዘላ ኣትለቲኮ ማድሪድ ብትሽዓተ ነጥቢ ድሒራ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ብምህላዋ ንጻወትኡ ብድምቐት ክጽንብል ኣይከኣለን።
ልዩነል ሜሲ ኣብዚ ትማሊ ዘካየዶ ጸወታ ልዕሊ ፔለ ጸብለል ከተብሎ ትኽእል ዝነበረት ወርቃዊት ዕድል ከሲሩ’ዩ።
ዳኛ ንባርሲሎና ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዝሃበሉ፡ ሜሲ ንዝቐልዓ ፍጹም ቅላዕ ሓላዊ ልዳት ቫለንሽያ ዶመነች ብዘደንቕ ኣገባብ ከድሕና ብምኽኣሉ ሜሲ ልዕሊ ፔለ ጸብለል ክብለሉ ዝኽእል ዕድል ኣባኺኑ።