እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓይልታት ትግራይ ብሰላም ኢዶም ክህቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኖም ዝዋግኡ ዘለዉ፡ ብሰለማዊ መንገዲ ኢዶም ክህቡ ጻውዒት ከምዘቕረበ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብ ግንባር ኮይኑ ብመሪሕነት ንምክያድ ናብ ግንባር ከምዝኸደ ዝግለጽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከምዝተመያየጠ'ውን ተገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ጎኒ ሓይልታት ህወሓት ኮይኖም ኣብ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ዕጡቃት ብሰላማዊ ኣገባብ ኢዶም ብምሃብ ህይወቶም ከትርፉን ጻውዒት ብምቕራብ "ናይ ትግራይ ወለዲ'ውን ደቀና ኣበይ ኣትዮም" ኢሎም ክሓቱ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣዘኻኺሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሓደ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ግንባር ብምኻድ ናይ መወዳእታ ውጥን ናይቲ ኵናት ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከምዝዘተየ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ብመገዲ ትዊትር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማእከላይ እዚ ሓይልታት ትግራይ "ኣብ መሬት ዘሎ ኩነታት ብምግምጋም ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ዝካየድ መጥቃዕቲ ውሳነ ኣመሓላሊፉ" ኢሉ። እቲ ኣፈኛ ግን፡ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ምርካብ'ኳ እንዘይተኸኣለ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌዴራል ምስ መላፍንቱን ከቢድ ኵናት ይካየድ ምህላዉ'ዩ ዝፍለጥ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ብሰላም ኢዶም ክህቡ ጻውዒት ዘቕረበ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን እቲ ወፍሪ ብውሑድ መስዋእትን ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ዝዛዘመሉን ውጥንን መምርሕን ከምዝሃበ ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ድሌት ኢትዮጵያ ሰላምን ልምዓትን እዩ፡ ናብዚ ኵናት ተገዲድና ኢና ኣቲና" ምባሉ'ውን ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ግንባር ብምዃን ብመሪሕነት ኵናት ከካይድ ካብ ዝጅመር፡ ሓይልታት ትግራይ ካብቶም ሒዞሞ ዝነበሩ ገለ ከባብታት ዓፋር ክለቁ ከምዝኸኣሉ ይግለጽ ኣሎ።
ገለ ካብቲ ብሰራዊት ፌዴራልን መላፍንቱን ዝተታሕዘ ቦታታት ኣብ ክልል ዓፋር እትርከብ ስትራተጂካዊት ከተማ ጭፍራ ኮይና፡ መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቁጽጽሩ ከምዘእተዋ ምግላጹ ይዝከር።
ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ እዚ ኵናት፡ ዋላ እኳ ኣብ ክልል ትግራይ እንተጀመረ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልሓም ናብ ኵናት ሓድሕድ ተሰጋጊሩ ይርከብ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየጽ ዘሎ ኵናት ቁጽሪ ናይቶም ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም ሰለማውያን ሰባት 9.4 ሚልዮን ከምዝበጽሕ ገሊጹ።