እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ሃገራት ኲናት ኢትዮጵያ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ።
ብምኽንያት ጽምብል ሓሙሻይ ዓመት ናይቲ ምስ ሰውራዊ ሓይልታት ኮሎምብያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ናብታ ሃገር ምብጻሓ ዘካይድ ዘሎ ጉተሬዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብነት ክስዕብ ጸዊዑ።
"መስርሕ ሰላም ኮሎምብያ፡ ነቶም ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ቀንዲ ዝዋስኡ ዘለው ወገናት ነታ ሃገር ንምድሓን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብህጹጽ ተዅሲ ደው ከብሉ ክጽውዕ ይድርኸኒ" ኢሉ።
ምቁራጽ ናይ ተዅሲ "ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘኽእል ዝርርብ ንምግባር ከፍቅድን ኢትዮጵያ ዳግም ኣብቲ ዞባ ናይ ምርግጋእ ተራኣ ክትጻወት ከኽእልን እዩ" ኢሉ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ፡ እቲ ኲናት ናብ ዝለዓለ ጠርዚ በጺሑ ኣብ ዝርከበሉን ኣመሪካ እቲ ኩነታት ብወተሃደራዊ መገዲ ክፍታሕ ከም ዘይኽእል ድሕሪ ምግላጻን እዩ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ "ዲፕሎማሲ እቲ ቀዳማይ፣ ናይ መወዳእታን እንኮን ኣማራጺ" እቲ ጎንጺ ምዃኑ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ነቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ኲናት ብኣካል ንምምራሕ ናብቲ ግንባራት ከም ዝኸደ ክግለጽ እንከሎ፤ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ገስጋስ ከም ዝቐጸሉ ይገልጹ።
እቲ ካብ ዝውላዕ ዓመት ሓሊፍዎ ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ እንከሎ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥምየት ተቓሊዖም ኣለው።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ከኣ ካብ ቤትንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።