ኢትዮጵያ: መሳርሕታት ሓበሬታን መራኸብን ዘለዎም ትካላትን ውልቀሰባትን ከመዝግብዎ ተኣዚዞም

የመገናኛ መሳሪያ

ምንጪ ስእሊ, Insa/fb

ኤጀንሲ ድሕነት ሓበሬታን ኢንተርኔትን ኢትዮጵያ [ኢንሳ] ኣብታ ሃገር ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ሓበሬታን መራኸብታትን ዘለዎም ትካላት ኮነ ውልቀሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከመዝግብዎም ኣዚዙ።

እቲ ኤጄንሲ ብዛዕባ ኣድላይነት እቲ ውሳነ ከብርህ እንከሎ “ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ከምኡ’ውን ኣንጸላሊይዋ ካብ ዘሎ ስግኣት ግዝኣታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ንምክልኻል ኣድላይ ዘበለ ጥንቃቐ ምውሳድ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተረኸበ’ዩ” ኢሉ።

ኢንሳ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘቕረቦ ጻዊዒት፡ ብመሰረት ብሕጊ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ሓበሬታን መራኸብታትን መሳርሕታት ክምዝግብ ከምዝጸንሐ ብምግላጽ እዞም ኣቑሑት ኣብዚ እዋን ዝርከበሉ ትሕዝቶ ንምፍላጥ እቲ ምዝገባ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ መሳርሕታት ኮሚኒኬሽን “ብራዕዳውያን ጉጅለታትን መሻርኽቶምን ንመፈጸሚ ተግባራት ራዕዲ ከይውዕሉ ምእንቲ” ዳግማይ ናይ ምዝገባ ስራሕቲ ብምግባር ኣብ ትሕቲ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ከምዘለዉ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተረኸበ’ዩ ኢሉ።

በዚ መሰረት ኣብ ዓውደ ኵናት ዘገልግል መነጸር፣ ኮምፓስ፣ መሳርሒ ጂፒኤስ፣ ወተሃደራውን ስቪላውን መራኸብታት ራድዮ፣ ብሳተላይት ዝሰርሕ ቴሌፎን፣ ቪሳት፣ ቢጋን፣ ከምኡ’ውን ድሮናት ዝሓዙ ውልቀ ሰባት፣ መንግስታውን ውልቀ ትካላትን፣ ኤምባሲታትን ሰብ ሞያ ዲፕሎማስን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታት ከፍልጡ ከምዘለዎም ኤጀንሲ ድሕነት ሓበሬታን ኢንተርኔትን ጸዊዑ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ውልቀ ሰባት ኢሉ’ውን ትካላት እዞም ዝተጠቐሱ መሳርሕታት ክጥቀሙ ዝረኣየ ሰብ ናብ መንግስቲ ሓበሬታ ከቐብል ከምዘለዎ ጸዊዑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዝተኣወጀ ሰዓት እቶ እቶ ፖሊስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዘካየዶ ፍተሻ ዝተፈላለዩ ናይ ኮሙኒኬሽን መሳርሕታት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።