ንማልኮም ኤክስ ብምቕታል ኣብ ዝተጠርጠሩ ሰባት ዝተዋህበ ውሳነ ክቕየር እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1965 ንፍሉጥ ኣመሪካዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ማልኮም ኤክስ ብምቕታል ገበነኛታት ዝተብሃሉ ክልተ ሰባት፡ እቲ ዝተውሃቦም ብይን ከምዝቕየር ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ፡፡
ኣኽባር ሕጊ ሳይረስ ቫንስ ከምዝገለጾ፡ እቶም መሓመድ ዓዚዝን ክሃሊል ኢስላምን ዝተባህሉ ተኸሰስቲ ዝግበኦም ፍትሒ ኣይረኸቡን፡፡
ንሱ ምስ ኒው ዮርክ ታይምስ አብ ዝገበሮ ጻንሒት፡ ኤፍቢኣይን ፖሊስን ነቶም ተኸሰስቲ ናጻ ክገብሮም ዝኽእል መረዳእታ ሓቢኦም እዮም ኢሉ።
ማልኮም ኤክስ፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝነበረ መዘናግዒ ኣዳራሽ እዩ ኣብ ቅድሚ ስድራ ቤቱ ብጥይት ተቐቲሉ፡፡
ዓዚዝ፣ ኢስላምን ቶማስ ሆገንን ድማ ብሞት እቲ ተሓላቒ መሰላት ገበነኛታት ተባሂሎም ዕድመ ልክዕ ተፈሪድዎም፡፡
እቶም ኔሽን ኦፍ ኢስላም ናይ ዝተባህለ ፖለቲካውን ሃይማታውን ምንቅስቓስ ኣባላት ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ብኣሞክሮ ዝተፈትሑ ኮይኖም፡ ኢስላም ኣብ 2009 ሞይቱ፡፡
ኣኽበርቲ ሕጊ ሓላፍነቶም ከምዘይተዋጽኡ ዝገለጸ ቫንስ ‘‘እቶም ሰባት ዝግበኦም ፍትሒ ኣይረኸቡን’’ ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ሓሙስ ተወሳኺ ሓበሬታ ከምዝወጽእ ኣብ ትዊተር ገሊጹ፡፡
ዓቃቢ ሕጊ ማንሃታን ኣብ 2020 ምስ ሓደ ብጌጋ ናይ ዝተፈረዶም ሰባት መሰል ዝጣበቕ ትካል ምስተራኸበ ነቲ ፍርዲ መርሚርዎ፡፡
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ጓል ማልኮም ኤክስ፡ ብመሰረት ዝተረኸበ ሓድሽ መረዳእታ እቲ ናይ ቅትለት ምርመራ ከምብሓደሽ ከጅመር ሓቲታ ነይራ፡፡
ኣብ እዋን እቲ ኣብ 1965 ዝተፈጸመ ቅትለት ፖሊስ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኣብ ጻዕረ ሞት ኮይኑ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ፖሊስ ኒውዮርክን ኤፍቢኣይን ነቲ ቕትለት ከምዘዋደዱ ከሲሱ እዩ፡፡
ኣብ ምብርትታዕ ጸለምቲ ንፉዕ ኣማኻሪ ዝነበረ ማልኮም ኤክስ ኣብ 39 ዓመቱ እዩ ተቐቲሉ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







