ኢትዮጵያ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተኣሰሩ መራሕቲ መካይን እቶም ፍርቂ ተፈቲሖም - ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሑ መራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘጓዓዕዛ መካይን፡ እቶም ፍርቂ ከምዝተፈትሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡
ምክትል ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ፋርሃን ሓቅ፡ ብሰኑይ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 34 መራሕቲ መካይን ከምዝተፈትሑን እቶም 36 ግን ክሳብ ሕዚ ተኣሲሮም ከምዘለዉን ገሊጹ፡፡
ንሱ: እቶም ብዓርቢ ዝተኣሰሩ 10 ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ እቶም ዝተረፉ እውን ክፍትሑ ተስፋ ከምዝገብር ገሊጹ፡፡
ማእሰርቲ እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ ህጹጽ እዋን ስዒቡ እዩ ተፈጺሙ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ንስትራተጂካዊ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮም ስዒቡ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝግስግሱ ምስገለጹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ እዋን ምእዋጁ ዝዝከር እዩ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወልድቲ ትግራይ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ይፍጽም ከምዘሎ መሰኻኽር ዓይንን ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ክኸሱ ጸኒሖም እዮም፡፡
ነቲ ክሲ ዝነጽጎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ደገፍቲ ህወሓት ንዝበሎም ጥራሕ ዕላማ ከምዝገበረ እዩ ዝገልጽ፡፡
ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብተወሳኺ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ንህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 40 ሚልዮን ዶላር ከምዝሰለዐ ገሊጹ፡፡
በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ዘሎ ኲናት ብኣሻሓት እንትሞቱ ሚልዮናት ተፈናቒሎም እዮም፡፡
ኣብ ትግራይ ጥራሕ ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮን ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዝርከብን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡
እቲ ተጋዲዱ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከቦም ትካላትን ሃገራትን ጸቕጢ ይገብሩ ኣለዉ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







