ኣውስትራልያ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ ብ17.5 ቢልዮን ዶላር ክሽየጥ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምምሕዳር ኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ: ነቲ መዓርፊ ነፈርቲ ብ17.5 ቢልዮን ዶላር ናብ ኣውፈርቲ ክሽየጥ ኣብ ስምምዕ በጺሑ።
እቲ ስምምዕ ናብ ግብሪ እንተሰጊሩ፡ መሸጣ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውስትራልያ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ውዕል መሸጣ ተባሂሉ ክምዝገብ'ዩ።
እንተኾነ እቲ ውዕል መሸጣ፡ ኣዝዮም ብዙሓት መሰናኽላት ኣብ ቅድሚኡ ተኾዲሞም ኣለዉ፤ በዚ ምኽንያት ናብ መወዳእታ ንኽበጽሕ ኣዋርሕ ክወስደሉ ይኽእል እዩ።
ኣቦ ወንበር ምምሕዳር ኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ ደቪድ ጎንሶኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ቦርድ እዚ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ዋጋ እዚ መዓርፎ ነፈርቲ ንቡርን ኣብ መጻኢ ክህልዎ ዝኽልእ ዋጋን ኣብ ግምት ኣትዩ ከም ዝተተመነ'ዩ ንዝኣምን" ኢሉ።
መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ ኣብ ኣውስትራልያ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ኮይኑ፡ መንግስቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብን ናብን እታ ሃገር ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳታት መገሻ ኣብ ዘልዓለሉ እዩ ክሽየጥ ከም ዝኾነ ዜና ወጺኡ።
መንግስቲ ኣውስትራልያ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ዝተኸተቡ ሰባት ናብ ክልተ ዓበይቲ ዞባታት እታ ሃገር ክኣትዉን ዝኾነ ውሸባ ከም ዘይግበረሎምን ምግላጹ ይዝከር።
ምምሕዳር ኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ፡ ብኣይኤፍኤም ኢንቨስተርስ፣ ኪው ሱፐር፣ ኣውስትራላያን ሴፐር፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ግሎባል ኢንፍራስትራክቸር ኣፐርትነርስ ዝተባህሉ ኣርባዕተ ትካላት ብጽምዶ የመሓድርዎ።
እቲ ሓዲሽ ናይ መሸጣ ስምምዕ ናብ መወዳእታ ምዕራፍ ንኽበጽሕ ክሓልፎ ዘለዎ መሳናኽላት ኣለው።
ሓደ ካብኡ፡ ብመሰረት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣውስትራልያን እቶም ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘመሓድሩ ዘለዉ ትካላትን ኣቐዲሞም ዝኸተምዎ ውዕል፡ ነቲ ዋጋን ውዕል መሸጣን ዝምርምር ዘይሻራዊ ኣካል ቆይሙ ጸብጻብ ከቅርብ ኣለዎ።
ካብቶም ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ብርኪ ዝገዝኡ'ውን ብውሕዱ እቶም ሰለስተ ርብዒ በቲ መሸጣ ክሰማምዑ ኣለዎም።
ምምሕዳር ኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ፡ ነዚ መሸጣ ኣመልኪቱ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2022 ክጋባእ ምዃኑ ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







