እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ናብ ሓለፍትን ህዝብን ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቡ
ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ትማሊ 31 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ንህወሓት፡ በዚ ዘሎ ኣካይዳ ምስዓር ስለ ዘይክኣል መላእ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ነቲ ወፍሪ ክጽንበሮ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጽኦ ትሽዓተ ነጥብታት ዘለዎ ህጹጽ ጻውዒት፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክፋል እቲ ክልል ዝርከቡ ሓለፍቲ ነቲ ወፍሪ ከወሃህዱን ነዚ ክገብሩ ዘይክኣሉ ምስ ዝርከቡ ግን ግቡእ ምምሕዳራዊ መቅጻዕቲ ክውሰደሎም ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ቤት ምኽሪ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኮምቦልቻ እትርከበን ገለ ክፋል ደቡብ ወሎ ምቁጽጻሮም ኣብ ዝገለጽሉ'ዩ ነዚ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ካልኦት ዕማማቱ ገዲፉ ንህወሓት ''ንምምካት፣ ንምስዓርን ንምቕባርን ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ሒዙ ብሕጋዊ ኣወዳድባ ክቃለስ ኣለዎ'' ክብል ምጽውዑ'ውን ይፍለጥ።
ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፎ ህጹጽ ጻውዒት'ውን፡ ዝኾነ መንግስታዊ ትካል ምዱብ ስርሑ ኣቋሪጹ "ባጀት ወሲኹ ነዚ ዘጋጠመና ሓደጋ ንምብርዓን ብዝከኣሎ ክረባረብ ተወሲኑ" ኢሉ።
እቲ ቤት ምኽሪ፡ ናብ ኩሎም ኣብ ጽፍሒ ዝርከቡ ሓለፍቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ትእዛዝ ተቐቢሎም ንህዝቢ ብምውዳብ ናብ ቅድመ ግምባር ከምርሑን ምውሳኑ ሓቢሩ።
ብምስዓብ "ነዚ ክገብሩ ዘይክእሉ ሓለፍቲ ሕጋዊ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ" ከም ዝውሰድ'ውን ገሊጹ።
ንተሽከርከርቲ ኣብ ዝምልከት'ውን፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኩለን ናይ መንግስቲ ተሽከርከርቲ ኣብ ሓደ ማእከል ተኣኪበን ኣብቲ ወፍሪ መሳለጥያ ክኾና ወሲኑ።
ናይ ውልቂ መካይን'ውን "ህልውና ንምውሓስ ዋናታት እተን መካይን ብነብሶምን ብንብረቶምን ኩሉ ዝክኣሎም ክገብሩ ተወሲኑ ኣሎ" ይብል እቲ ቤት ምኽሪ።
ናይ መንግስትን ናይ ውልቀን ወተሃደራውያን ብረታት ኣብቲ ተኣዊጁ ዘሎ ወፍሪ ክውዕል'ውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኩለን ከተማታት እቲ ክልል ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምድንጋግ ድሕሪ ምሸት ሰዓት ሸሞንተ [ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሰዓት ክልተ] ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ከም ዘይፍቀድ ገሊጹ።
ኩነታት እቲ ኲናት
እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፌደራልን ብ2018 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ተቖጻጺሩ ዝጸንሐን ህወሓት ዝተወልዐ ኲናት ሓደ ዓመት ክመልኦ ቐሪቡ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለው ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ተዘናቢሎም'ዮም።
እቶም ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት ተደፊኦም ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ንርእሰ ከተማ ትግራይ ክቆጻጸሩዋ ክኢሎም።
ድሕሪኡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምድፍኦም ኣማኢት ኣሽሓት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።
ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፌደራል ኮይኖም ክዋግኡ ጸኒሖም'ዮም።
ክልቲኦም ክልላት [ኣምሓራን ትግራይን] ብምኽንያት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ መሬት ንነዊሕ ዓመታት ዘይምቅዳው ክጸንሖም እንከሎ፡ ሕጂ እቲ ኸባቢ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣምሓራ ይርከብ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ሰራዊት ፌደራል ካብ ዝተቐጻጸሩዎም ከባቢታት ኣምሓራ ንከውጽኡዎም መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱሎም ገሊጾም ነይሮም።
ሰራዊት ምክልኻል ብወገኑ እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ትግራይ ከም ዝተጀመረ ይኸስስ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ንምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሮም ዘለው ሓይልታት ኣምሓራ ክሳብ ዝወጽኡን መንግስቲ ፌደራል ነቲ ዕጽዋ ብምልዓል ረድኤት ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ክሳብ ዘፍቅድን እቲ ውግእ ከም ዝቕጽሉዎ ይገልጹ።