ቅልውላው ትግራይ፡ ንግፍዕታትን ገበናት ኲናትን ትግራይ ዝዳህሰሰ መጽናዕቲ ወግዓዊ ከምዝግበር ተፈሊጡ

ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝተፈጸሙ ግፍዕታትን ገበናት ኲናትን ኣመልኪቱ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ወግዓዊ ከምዝግበር ተፈሊጡ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ወግዓዊ ከምዝገበሮ እቲ ጸብጻብ መጽናዕቲ ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ'ዩ ክቐርብ።

እቲ ቤት-ጽሕፈት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሓባር ዘካየድዎ መጽናዕቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሰባውን ናይ ስደተኛታት ሕግን ከምዝፈተሸ ተሓቢሩ'ሎ።

ሓይልታት ትግራይ ግን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣካል እቲ ዝተፈጸመ ገበናት ከምዝኮነ ብምግላጽ ኣብቲ ምጽራይ ምስታፉ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም ምንባሮም ይዝከር።

እቶም ጥሕሰታት ከኣ ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ተፈጺሞም ከምዝበሃሉ መግለጺ ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸሌት፡ 3 ሕዳር 2021 ነቲ ሓበራዊ መጽናዕቲ ካብ ጀኔቫ ወግዓዊ ክትገብር ምዃና ተገሊጹ።

"ርካባት እቲ መጽናዕቲ፣ መደምደምታታትን ለበዋታትን ክተቕርብ'ያ" ይብል እቲ መግለጺ።

ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምዃን ዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጀመረትላ 3 ሕዳር 2020 ክሳብ 28 ሰነ 2021 ንዝነበረ ኩነታት ከምዝዳህሰሰ ተፈሊጡ።

ካብ 16 ግንቦት ክሳብ 31 ነሓሰ 2021 ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተኻየደ ኮይኑ፤ ንዝተፈላለያ ዞባታት ትግራይን ኣገደስቲ ዝተበሃሉ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከቡ ከባብታትን ሸፊኑ'ሎ።

"እቲ ጉጅለ ምጽራይ (ምርመራ) ምስ ግዳያት፣ መሰኻኽር ዓይንን ካልኦት ምንጭታትን 269 ቃለ-መሕትት ኣካይዱ'ሎ" ይብል መግለጺ ቤት-ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት።

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ብኣሽሓት ዝግመቱ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖምን ይግለጽ።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝተፈጸሙ ጾታዊ ግህሰታት፡ ካብ በሰላታት እቲ ኲናት ኮይኖም ይጥቀሱ።

ሻቕሎት ሃገራት ዓለም

ብጉጅለ-7 (G-7) ዝፍለጣ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም፡ በቲ ካብ ትግራይ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ግህሰት ሰባዊ መሰላት "ኣዝየን ከምዝተሻቐላ" ምግላጸን ይዝከር።

እቲ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብኦ ጉጅለ፡ እቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ክምርመሩን፡ ፈጸምቶም ክሕተቱን ጸዊዑ ነይሩ።

ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝዋግኡ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ክወጽኡ'ውን እተን ሃገራት ተማሕጺነን።

ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት ሓያሎ ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።

ገለ ካብቶም ክስታት፡ ጃምላዊ ቅትለት ሲቪላውያን ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ዝምታን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተኻየደ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይርከብዎም።

ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርብ ክስታት "ስኑዕ'ዩ" ብምባል ክትነጽጎ እንከላ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ፡ እቲ ፈለማ ዝኾነ ዝተቐትለ ሲቪላዊ ሰብ የለን ዝብል ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምግሃስ መሰላት ከም ዝተፈጸመ ኣብዚ ቀረባ እዋን ተኣሚኑ'ሎ።

'ቢቢሲ ኣይ' ዝተባህለ መደብ ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 15 ብረት ዘይነበሮም ሰባት ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ ዝእምት መርትዖ ከም ዝረኸበ ጸብጺቡ'ሎ።

እቲ ኲናት፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነበሩ መዓስከራት ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝመርሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ህወሓት ንምእላይ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ።

ህወሓት ንኣስታት 29 ዓመት ንትግራይ ከመሓድር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነበሮም ርክብ ሻሕኪሩ ናብ ረጽሚ ዓሪጉ።

ኣብቲ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሲቪላውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ከም ዝተመዛበሉን ይግለጽ።

"ቅትለት ሲቪላውያን፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣልማማ ደብዳባት፡ ግዱድ ምፍንቓል ነበርቲ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ንኹንን" ክብል ጉጅለ-7 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ ነይሩ።

"ነቲ ዝብሃል ዘሎ ገበናት ንምፍላጥን፡ ነቶም ነቲ ግህሰታት ሰባዊ መሰላት ዝፈጸሙ ንምሕታትን፡ ናጻ፣ ግሉጽን ዘይሻራውን መርመራ ምክያድ ኣገዳሲ'ዩ" ድማ ኢሉ።