ወራስ ዓራት ልኡል ስዑድ ዓረብ፡ ንንጉስ ዓዱላህ ንምቕታል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወራስ ዓራት ልኡል ስዑድ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ንንጉስ ዓብደላ ብ ''ሰማሚ ቀለበት' ንምቕታል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ ክብል ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ድሕነት ስዑድ ዓረብ ነበር ተዛሪቡ፡፡
እቲ ሰዓድ ኣል ጃብሪ ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ንሲቢኤስ ከምዝገለጾ፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣቡኡ ምእንቲ ክነግስ ነቲ ተግባር ክፍጽም ከምዝደሊ ንወዲ ሓው ኣቡኡ ኣብ 2014 ነጊርዎ እዩ፡፡
ኣብቲ እዋን ነቲ ንጉስ መን ይተክኣዮ ኣብ ዝብል፡ ኣብ መንጎ እቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ነይሩ፡፡
መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ግና ንምስክርነት እቲ ነበር ሓላፊ ድሕነት ብምንጻግ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ነዊሕ ናይ ምሕሳው ታሪኽ ዘለዎ እዩ ኢሉ፡፡
ኣል ጃብሪ ኣብ ቃለ መሕተቱ፡ እቲ ንስዑድ ዓረብ ዘመሓድር ዘሎ ወዲ ንጉስ ሰልማን ዝኾነ ወራስ ዓራት ልኡል መሓመድ ''ጽሉል፣ ቀታልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንህዝቡ፣ ንኣሜሪካውያንን ንዓለምን ስግኣት ዝኾኑ ብዙሓት ምንጭታት ዘለዎን'' እዩ ክብል ኣጠንቂቑ፡፡
ንሱ ኣብ 2014 መሓመድ ቢን ሳልማን ነቲ ወራስ ዓራት ልኡልን ሚኒስተር ውሽጢ ዓድን ዝነበረ ወዲ ሓው ኣቡኡ መሓመድ ቢን ናይፍ፡ ነቲ ንጉስ ንምቕታል ከመቻቹ ከምዝኽእል ነጊርዎ ነይሩ ይብል፡፡
''ንንጉስ ዓደላ ክቐትሎ ይደሊ እየ፡፡ ዝስምም ቀለበት ካብ ሩስያ ክረክብ እየ፤ ንዕኡ ንምቕታል ብኢደይ ሰላም ምባል እኹል እዩ፡ ኢልዎ'' ክብል ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ እቲ ቆይቂ ኣብ ንጉሳዊ ቤት ፍርዲ ከምዝተፈተሐን እቲ መጋባእያ ብምስጢር ከምዝቐድሕዎን ዝተዛረበ ኣል ጃባሪ፡ ክልተ ቅዳሓት እቲ ቪድዮ ኣበይ ከምዝተቐመጡ ከምዝፈልጥ እውን ተዛሪቡ፡፡
ንጉስ ዓብዱላህ ኣብ 90 ዓመቱ ኣብ 2015 ምስ ሞተ፡ ብሓደ ወገን ሓዉ ዝኾነ ኣቡኡ ንመሓመድ ቢን ሰልማን፡ ንጉስ ሰልማን ተተኪኡ፡፡
ንጉስ ሰልማን ንመሓመድ ቢን ናይፍ ወራስ ዓራት ልኡል ገይሩ መሪጽዎ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ 2017 ግና ብወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ተኪእዎ፡፡ መሓመድ ቢን ናይፍ ካብ ሓላፍነት ውሽጢ ዓዲ ተኣልዩ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዘይተፈለጠ ክሲ ተኣሲሩ እዩ፡፡
ናይፍ ካብ ስልጣን ምስወረደ ናብ ካናዳ ዝሃደመ ኣል ጃብሪ፡ ኣብ 2018 ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ቱርኪ ምስተቐተለ ድሕሪ መዓልቲታት ንዕኡ ዝቐትል ጉጅለ ናብ ካናዳ ከምዝተልኣኸ ዝገልጽ መጠንቀቕታ ካብ ሰለልቲ ማእከላይ ምብራቕ ከምዝበጸሖ ሓቢሩ፡፡
ኣብቲ እዋን ሽዱሽተ ሰባት ዝሓዘ ጉጅለ ናብ ካናዳ ኣትዩ ከምዝነበረን፡ ዝጥርጠሩ መሳርሒታት ሒዞም ብምምጸኦም ብሰብ መዚ ከምዝተባረሩን እውን እቲ በዓል ስልጣን ነበር ገሊጹ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣል ጃብሪ ነቲ ልኡል ብፈተነ ቕትለት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ዝኸሰሶ ኮይኑ፤ እቲ ልኡል ግና ንቕትለት ካሾጊ ሓዊሱ ነቶም ክስታት ነጺግዎም፡፡
ኤጀንሲታት ስለላ ኣመሪካ ግና እቲ ልኡል ንውጥን ቅትለት ካሾጊ ፈሪሙ ከምዘጽደቖ እየን ዝገልጻ፡፡
መንግስቲ ስዑድ ዓረብ፡ እቲ በዓል ነበር ስልጣን ዘቕረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ውልቀ ሰብ ነዊሕ ናይ ምሕሳው ታሪኽ ከምዘለዎን ነቲ ብቢልዮን ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ ብምስራቕ ዝፈጸሞ ገበን ንምሽፋን ዝተዛረቦ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡
ኣል ጃብሪ ብብዙሓት ትካላት ስዑድ ዓረብ ክሲ ብልሽውና ዝቐርበሉ ኮይኑ፡ ቤት ፍርዲ ካናዳ ድማ ሃብቱ ኣደስኪሉዎ እዩ፡፡
ንሱ ግና እቲ ሃብቲ ቆጸርቱ ዝነበሩ ሰባት ዝሸለምዎ እምበር ዝሰረቖ ገንዘብ መንግስቲ ከምዘይኮነ ይሙግት፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







