ሙስጠፋ ኣል-ዳርዊሽ፡ ትሕቲ ዕደመ እንከሎ ብዝፈጸሞ ገበን ብሞት ዝተቐጽዐ ስዑድያዊ

ትሕቲ ዕደመ እንከሎ ብዝፈጸሞ ገበን ብሞት ዝተቐጽዐ ስዑድያዊ ሙስጠፋ ኣል-ዳርዊሽ

ምንጪ ስእሊ, Reprieve

ሙስጣፋ ኣል ዳርዊሽ ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ብዝፈጸሞ ገበን መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብሞት ከምዝቐጽዖ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም።

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዋላ እኳ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ኮይንካ ዝተፈጸመ ገበን ብሞት ከምዘይየቕጽዕ እንተኣወጀ፡ ብተግባር ግን ከምዘየቋረጾ’ዮም እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጹ።

ሙስጣፋ ሓሸም ኣል-ዳርዊሽ ምስ ንመንግስቲ ምቅዋም ብዝተሓሓዝ ክሲ’ዩ ኣብ 2015 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ፡ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል-ዳርዊሽ ሓንቲ ጉጅለ ናይ ሽበራ ብምምስራት ብብረት ዝተሰነየ ኣድማ ንምክያድ ይውድብ ነይሩ ዝብል ክሲ እዩ ኣቕሪብሉ።

እቶም ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን እቲ መስርሕ ፍርዲ ቅኑዕ ኣይነበረን ብምባል እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ከይፍጸም ብተሪር’ዮም ክጽውዑ ጸኒሖም።

ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝቃወም ረፕሪቭ ዝተብሃለ ትካል ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል-ዳርዊሽ ማህረምቲ ምስ በዝሖ ነቲ ተግባር እወ ፈጺመዮ እየ ኢሉ ከምዝኣመነ ምግላጹ ከም መርትዖ ሒዞም መስርሕ ፍርዱ ብነጻ ኣካል ክርአ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

ሙስጣፋ ሓሸም ኣል-ዳርዊሽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋላ እኳ ወዲ 26 ዓመት እንተኾነ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ ወዲ 17 ዓመትን ትሕቲኡን እነከሎ ስለዝፈጸሞ፡ መሰል ትሕቲ ዕድመ ክኽበረሉ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ብተደጋጋሚ እኳ እንተሓተቱ፡ መንግሰቲ ስዑድ ዓረብ ግን ዝኾነ መልሲ ኣይሃበን።

ሮይተርስ ብወገኑ ሙስጣፋ ‘ብምንዓብ: ጸጥታ ምዝራግን ባእሲ ምልዓልን’ ዝብል ክሲ’ውን ተመስሪትዎ ምንባሩ ገሊጹ።

ሙስጣፋ ካብ 2011 ክሳብ 2012 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ልዕሊ 10 ዕግርግራት ከምዝተተሳተፈ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸጥታ ኣካላት ሓውሲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን ዘርኢ ናይ ስእሊ መርትዖታት እዩ ቀሪብሉ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑድ ዓረብ ሙስጣፋ ንሓደ ኣባል ጸጥታ ፈተነ ቅትለት ከምዘካየደሉ ምጥቃሱ ማዕከናት ዜና ይሕብራ፡ ቤት ግርዲ ብወገኑ እቲ ፈተነ ቅትለት ኣበይን ንመንን ከምዝተፈጸመ ዝኾነ መርትዖ ከምዘይቐረበሉ ምሕባሩ ሮይተርስ ገሊጹ ኣሎ።

ቤተ ሰብ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል ዳርዊሽ እቲ ፍርዲ ከምዝተፈጸመ ኣብ ኢንተርነት ከምዝርኣይዎን ካብ ውላዶም ዝኾነ ናይ ፋንዋ ቃል ክሰምዑ ዕድል ከምዘይተውሃቦምን እዩ ረፕሪቭ ዝተብሃለ ትካል ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጽ።

ቤተ ሰብ ሙስጣፋ “መንግስቲ ከመይ ገይሩ ንሓደ ህጻን ኣብ ሞባይሉ ረኺበዩ ብዝበሎ ስእሊ ብሞት ይቐጽዕ” ምባሎም ረፕሪቭ ኣብ ገጻቱ ሓቲምዎ ኣሎ፡ ብምስዓብ “ካብታ ዝተኣሰረላ እዋን ጀሚሩ መላእ ስድራ ኣብ ቃንዛ እዩ ዘሎ፡ ዝኾነ ካብ ቃሉ ዝሰማዕናዩ ነገር የለን፡ ብህይወት ዘለዉ ሬሳታት ኢና ኮይና ዘለና” ኢሎም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳይ ስዑድ ዓርብ ንማዕከን ዜና ኤስፒኤ ከም ዝሓበሮ መስርሕ ፍጻመ ፍርዲ ናይ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል ዳርዊሽ፡ ኣብ ከተማ ዳማም ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።

ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብትሕቲ ዕድመ ዝፍጸም ዝኾነ ዓይነት ገበን ብሞት ከምዘይቀጽዑን እንተነወሐ ን10 ዓመታት ጥራይ ከምዝኣስርዎምን ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።

ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝቃወም ረፕሪቭ ዝተብሃለ ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላትን መስርሕ ፍርዲ ሙስጣፋ ሓሸም ኣል ዳርዊሽ በዚ ሓዲሽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመሓየሸ ሕጊ ክርአ’ዮም ክጽውዑ ጸኒሖም፡

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብርጣንያ ዶሞኒክ ራብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ንጉዳይ ምምሕያሻት ሕገ ፍትሒ ስዑድ ዓረብ ኣመልኪቱ ምስ ሰብ መዚ ስዑድ ዓረብ ከምዝተዘራረበ ተገሊጹ ነይሩ እዩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዓመተ 2020 ኣብ መጠን ናይ ሞት መቅጻዕቲ ዓቢ ምጉዳል ከምዘርኣየ እዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ትካል ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሪፕሪቭ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ፍርቂ ናይ 2021 ልዕሊ ኣቲ ኣብ መላእ 2020 ዝተፈጸመ ናይ ሞት መቅጻዕቲ ከምዘካየደ ገሊጹ።