ን30 ዓመታት ብኣመሪካ ዝተኣስረ እስራኤላዊ ሰላይ ንሃገሩ ተመሊሱ

ጆናታን ምስ በዓልቲ ቤቱ

ምንጪ ስእሊ, Israel Hayom via REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ጆናታን ምስ በዓልቲ ቤቱ

ወዲ 66 ዓመት ጆናታን ፖላርድ ዝተባህለ እስራኤላዊ ሰላይ፡ ኣብ ኣመሪካ ን30 ዓመታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ናይ ጉዕዞ እገዳ ምስተላዕለሉ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኤስተር ናብ ቴልኣቪብ ተመሊሱ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቴልኣቪቭ ምስ ኣተው ከኣ ቀዳማይ ምኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ ተቐቢሉ፡ " እንቋዕ ብደሓነ ሰላም ንሃገርኩም መጻእኩም፤ " ሕጂ ኣብ ሃገርኩም ኢኹም ዘለኹም" ብምባል እስራኤላዊ ወረቐት መንነት ሂቡዎም።

ጆናታን ብ1985 ኣብ ኣመሪካ ክስሊ እንከሎ ምስተታሕዘ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል ኣገዳሲ ምስጢር ስለዝሓብኣትላ ተቖጢዑ፡ ነቲ ምስጢር ሰሪቑ ንሃገሩ ከምዝሃበ ምስተኣመነ እዩ ንሕልፈት ተፈሪዱ።

ፈለማ ጆናታን ምስ ዘይሕጋውያን ሰበስልጣን እምበር ምስ እስራኤል ይሰርሕ ምንባሩ ኣይገለጸን። እስራኤል እውን ናታ ሰላይ ምንባሩ ኣይኣመነትን።

ዳሕራይ ግን ኣብ 1995 ናይ እስራኤል ዜግነት ሂባቶ። ሰለስተ ዓመት ጸኒሓ ከኣ ናታ ሰላይ ምዃኑ ተኣሚና፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍታሕ እኳ እንተጠለበት ክሳብ 2015 ዓመት ዝነበሩ ፕሬዚደንትታት እታ ሃገር ግን ኣይፈቐዱን።

ኣብ 2015 ምስ ተፈትሐ እውን እንተኾነ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመት ካብ ኣመሪካ ክወጽእ ኣይተፈቕዶን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን እቲ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ከምዝተላዕለሉን ንእስራኤል ክኸይድ ከምዝኽእል ምስተገልጸሉ ኣሜሪካዊ ቢልየነር ሸልደን አደልሰን በዓልቲ ቤቱ ሚርያም ብዘመቻችኡሉ ናይ ግሎም ነፋሪት ካብ ጀርሲ ናብ እስራኤል ኣትዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ከኣ፡ " ኣብ መወዳእታ ንሃገርኩም ምእታውኩም ጸጋ እዩ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም፡ ሕጂ ሕጉስ ህይወት ክትመርሑ ኢኹም" ኢሉዎም። ንሳቶም ከኣ ተምበርኪኾም ንመሬት ዓዶም ተሳሊሞም ጸሎተ ኣይሁድ ኣብጺሖም።

ጆናታን "ድሕሪ ከ35 ዓመት ንሃገርና ብምምላስና ኣዚና ሕጉሳት ኢና። ህዝቢ እስራኤልን ቀዳማይ ሚኒስተርን ንሃገርና ንኽንኣቱ ንዝገበሩዎ ጻዕሪ ብልቢ ነመስግን። ብሕጂ እውን ንሃገርና ከነገልግል ጽኑዕ እምነት ኣሎና" ክብል ስምዒቱ ገሊጹ።

ንዝመጽእ ክልተ ሰሙን ከኣ ኣብ እየሩሳሌም ኣብ ሓደ አፓርትመንት ክውሸቡ እዮም። ወናኒት "እስራኤል ሃዮም" ዝተባህለ ጋዜጣ፡ ሚርያም፡ ንጆናታንን በዓል ቤቱን ምውቕን ድሙቕን ኣቀባብላ ክግበሎም ጸዊዓ ኣላ።

"እስራኤል ንሃገሩ ከቢድ ዋጋ ንዝኸፈለ ወተሃደራ ዝግባእ ሞሳ ክትመልስ ኣለዋ። ኩሉ ዘድልዮን ዝግበኦን ክትቅርበሉ ይግባእ" ኢላ።

ጆናታን ኣብ 1998 ምስ አሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ጆናታን፡ ብሰንኩ ናይ ስለላ ስርሑ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን ዝረኸቦ ሞሳን ፈጺሙ ከምዘይመጣጠን ተዛሪቡ ነይሩ።

"ምንም ረብሓ ኣይረኸብኩን። ንኽልተ ሃገራት ከገልግል ፈቲነ እየ። ከምኡ ከኣ ኣይሰርሕን እዩ" ክብል ኣብ ቃለ መሕትቱ ተዛሪቡ ነይሩ።